ሁዋዌ ኢትዮጵያ ተሰናድኦ ዓለም ለኸ  ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት ከምዝድግፍ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዓመት እተሰናድኦ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት ከምዝድግፍ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ኣሊ፤ ኣብ ጉጅለ  ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ምስ ምኽትል ኣፈፃሚ ስራሕ  ቻርለስ ዲንግ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተኦም ድማ ጉጅለ ቴክኖሎጂ ሁዋዌ  ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዓመት እተዳልዎ ዓለምለኸ ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት ገንዘባዊን ቴክኒካዊን ሓገዝ ከምዝገብር ምኽትል  ኣፈፃሚ  ስራሕ ቻርለስ ዲንግ ተዛሪቦም።

ትካሎም ኣብ ዘፈር ቴክኖሎጂ  ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን፤ ምስ ዘፈር መንግስትን ውልቀን ብዝተዋደደ ክሰርሕ ከምዝደሊ እውን ገሊፆም።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ኣሊ ብግደአን፤ ሁዋዌ ዓለም ለኸ ምድላው ጉባኤ ምሕደራ   ኢንተርኔት ንምድጋፍ ቃል ምእታዉ ምስጋናአን ኣቕሪበን።

ጉጅለ ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ስራሕተኛታቱ ኢትዮጵያውያን ኣዝዮም ውሕዳት እዮም ዝበላ እተን ሚኒስትር ዴኤታ፥ እቲ ትካል  ኢትዮጵያውያን ኣብ ምስታፍ ብትኹረት ንኽስራሕ ሓቢረን።

ጉጅለ ቴክኖሎጂ ሁዋዌ ኣብ ዓለም ልዕሊ 197 ሺህ ሰራሕተኛታት ከምዘለውዎ መረዳእታታት የመላኽቱ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment