ሁራ ሰለስተ ኣብ ቅነ በዓል ልደት

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሁራ ሰለስተ፥ ኣብ ከባቢታት ኣፅቢን ወንበርታን ብኣብዛሓ ዝፍለጥን ዝፅወትን እዩ።

ብዝተፈላለየ ቅድን ውቅዒትን ይፅወት። ሁራ ሰለስተ ኣብ ኣፅቢን ወንበርታን ብፍሉይ ድማ ትሸዓንተ ዓዲ ዳራ፣ 33 ዓዲ ኣፅቢ፣ 12 ዓዲ ወንበርታ ዝፅወት (ዝርገፅ) ባህላዊ ትውፊት እዩ።

ሁራ ሰለስተ፥ ካብ ኣፅቢን ወንበርታን ብተወሳኺ ኣብ ክልተ ኣውላዕሎ ከባቢታት ዓደቀሳንድድ፤ ኣብ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ድማ ኣብ ከባቢታት ጒላ፣ ኣበንዓ፣ ሓዊለን ራዕይለን እውን ብስፍሓት ይፅወት።

ሁራ ሰለስተ ዓበይቲን መናእሰያትን ዝሕጎስሉ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊን ታሪካዊን ሙዚቃን ስዕሲዒትን እውን እዩ። እዚ ፀወታ ኣእጋር በቢቅደም ሰዓቦም ምስ መሳዕስዕትኻ (ሁራ መራግፅቲኻ) ብማዕረ ብምልዓልን ብምዕራፍን ዝፅወት እዩ።

ብርብር(ውርውራይ) በትሪ እውን ኣካል እቲ ፀወታ እዩ። በትሪ ብርብር/ውርውራይ ብማዕረ ብምሓዝ ዝፅወት እውን እዩ። እዞም ብርብር ኣባትር እውን ኣካል ድምቀት ፀወታ ሁራ ሰለስተ እዩም። ኣለዓዕላን ኣተዓራርፋን እግሪን በትሪ ብርብርን ፀወታ ሁራ ሰለስተ ፍትውን ምዕሩግን ፀወታ ክኸውን ዘበርክትዎ ግደ ድማ ልዑል እዩ።

ታሪካዊ ኣመፃፅኣን ዕቤትን ሁራ ሰለስተ

ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶን ኣመፃፅኣን ኣለዎ። ሁራ ሰለስተ ታሪኻዊ ኣመፃፅኡ ምስ ስልጣነ ኣኽሱም ዝተተሓሓዘ ከም ዝኾነ መዛግብቲ ታሪኽ የቐምጡ። ኣብ ዘበነ ንጉስ ኢዛናን ካሌብን ካብ 4ይ-6ይ ክፍለ ዘበን ገኒኑ ይፅወት ከምዝነበረ ድርሳናት ታሪክ ይሕብሩ(በላይ፣ 1991 ፤ ግርማ፣ 1995፤ ሰለሙን፣ 2005ዓ.ም)።

ኣብ ዘበን እቶም ነገስታት ንናይ ንጉስ ኣኽሱም ሰራዊት ሃገራዊ መንፈሶም ንምሕላው ወተሃደራዊ ሰልፊ ዘካይድሉ ውቁብ ባህሊ ‘ውን ነይሩ ከም መረዳእታ እቶም ኣብ ላዕሊ ተረቚሖም ዘለው መረዳእታታት።

ብመሰረት ስርዓተ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ድማ ኩሉ ጊዜ ምስ ምውዳእ ፆመ ነብያት ተዛሚዱ ብምኽንያት በዓል ልደት ፤ ውልደት መድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘሎ ናይ ታሕጓስን ብስራትን እዋን ክበዓል ምኽኣሉ ሁራ ሰለስተ ሃይማኖታዊ መሰረትን መበገሲን ኣለዎ።

ሁራ ሰለስተ ኣብ ማእኸላይ ዘበን ዝነበሩ ግዚያት ውሱን ለውጥታት ኣርኢዩ፣ ባህላዊ ትሕዝትኡ ዓቂቡ፣ ብዓለማዊነትን ምስፍሕፋሕ ዘበናዊነትን እንከይተፀለወ ቦኳር ትውፊታዊ ትልሂቱ ሓልዩ ፀኒሑ እዩ።

ኣብ ትግራይ ኣብ እዋን መርዓ ሁራ ሰለስተ ድምቀት እቲ ስነ ስርዓት እዩ። መርዓትን መርዓውን ክኣቱውን ክወፁን እንተለው ንክብሮም ተባሂሉ ብፍሉይ ሁራ ሰለስተ ይርገፅ። ኣብ ዓፂድ እንተኾነ ‘ውን ከምቲ ኣብ “ዋሊቦ”ዝብል ደርፊ ዘሎ ናእዳን ምውዳስ ምህርትን ሁራ ሰለስተ ይፅወት። እዚ ዘረደኣና ሁራ ሰለስተ ኣብ ኩሉም ዋኒናት ህዝቢና ከም መሳለጢ ስራሕቱ ከምዝጥቀመሉ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሁራ ሰለስተ ዓርሱ ክኢሉ ብመልክዕ ሙዚቃ ምውፃእ ጀሚሩ ኣሎ ። ከም እኒ ንጉሰ ኣባዲ ፣ ሃይላይ መለስ፣ ተስፋኣለም ገብረ ስላሴ፣ ሰለሙን ይኩኖ ኣምላክ፣ ፀጋይ ነጋ፣ ኢፍሬም ገብረመስቀል፣ ብርሃነ ገብረኣብ፣ ሃፍቶም ሙዑዝ ፣ ኪሮስ ግርማይ ወዘተ ከየንቲ ተጋሩን ብሙዚቃዊ ጥበብ ኣቢሎም ናብ መላእ ዓለም ተበፃሒ ክኸውን ይገብሩ ኣለዉ።

 ቅዲ ፀወታን በዝሒ ተፃወትቲን ሁራ ሰለስተ

ኣብ ሁራ ሰለስተ በዝሒ ሳዕሳዕቲ በቲ ጉዳይ ወይ ፅንብል እዩ ዝውሰን። ይኹን እምበር ውሕዳት ሁራ ረገፅቲ ኮኑ ሁራ ተፃወትቲ እቲ ፀወታ ኣየድምቕዎን። ስለዝኾነ ሁራ ረገፅቲ ኮኑ ሁራ ተፃወቲ ቡዙሕት ክኾኑ ይምረፅ። በዝሒ ድምቀት እቲ ፀወታ እዩ።

ንኣብነት ኣብ መርዓ እንተሪኢና ካብ 9 ክሳብ 12 ክኾኑ ትፅቢት ይግባር። ኣብ ሃይማኖታዊን ህዝባዊን በዓላት ድማ ከከም በዓሉን በዝሒ ተመልካቲን ቁፅሪ ተፃወቲ ይውሰን ።

 

 

ደርፊታትን ግጥሚታትን ሁራ ሰለስተ

ደርፊታትን ግጥሚታትን ሁራ ሰለስተ ከምቲ ካሊእ ፀወታን ቋንቋን ትግርኛ ናይ ባዕሉ ሕጊን ስርዓትን ኣለዎ። ከከም እዋኑ ድማ ዝተፋላለዩ ደርፊታትን ግጥሚታትን ይወፅኡ። እቶም ደርፊታት ተፃወቲ እንዳተቐባበሉ ወይድማ መንጉሕን ተቐባሊን ብምዃን እዮም ዝደርፍዎም። ናይ ባዕሎም ቅዲን ቅላፀን ድማ ኣለዎም።

ኣብ መርዓ፣ ዓፂድ፣ ሃይማኖታዊን መንግስታዊን በዓላት ዝተፋላለዩን ምስ ዓይነት እቲ በዓልን ወቕቲን እዮም ዝድረፉን ዝግጠሙን።

   መሳርሒታት ሙዚቃ ሁራ ሰለስተ

ፀወታ ሁራ ሰለስተ ዝጥቀመሎም መሳርሒታት ሙዚቃ ባህላዊ መሳርሒታት እዮም። ዛጊድ ዘመናዊ መሳርሒ ምጥቃም ኣይጀመረን ። እቶም ዝጥቀመሎም መሳርሒታት ሙዚቃ እውን ከበሮ፣ ጭራ፣ሻምባቆ፣ክራር ፣ታቱላን ጣቕዒትን እዮም።

 ፀወታ ሁራ ሰለስተን በትሪ ብርብር/ውርውራይን

በቢዓመቱ በዓል ልደት እንትኽበር ቀዲሙ ዝሕሰብ በትሪ ብርብር እዩ ። በትሪ ብርብር ቀደም ካብ ፅሕዲ ዝስራሕ ኮይኑ ኣዝዩ ቀጥ ዝበለ ምልምል ተኣሊሹ ይስራሕ። እቲ ምልምል ሳይዳ/ፅሕዲ / ብማዕረ ልክዒት ብምቁራፅ ብማዕረ ልክዒት ብምክርካር ፍርቁ ዝተመለጠ ፍርቁ ዘይተመለጠ ብምግባር ናብ ሓዊ ክኣቱ/ክልብለብ ይግበር። ፃዕዳን ፀሊምን ኮይኑ ድማ ይወፅእ።

ሃይማኖታዊ ትርጉሙ ድማ ን5500 ዓመት ኣዳም ብዝበደሎ ዝኣበሰን ዘይኣበሰን ኣብ ሓጥያት ወዲቑ ዝብል እዩ። ሐዚ ፈጣሪኦም ተወሊዱ ከድሕኖም ስለዝመፅአ ብፀወታ ሁራ ሰለስተ ብስራቶም ዝገልፅሉ እዩ። ልደት ድማ መግለፂ ሓጎስን ብስራትን እዩ ብምባል ብፀወታ ሁራ ሰለስተ የማዕርግዎ። ንፈጣሪኦም እውን የመስግኑ። ኣብዚ ሰዓት ዝድረፉን ዝግጠሙን ቡዙሓት እዮም።

 በዓል ልደትን ሁራ ሰለስተን

በዓል ልደት ኣብ ከባቢታት ኣፅቢ፣ ወንበርታ፣ ክልተ ኣውላዕሎን ሳዕሲዕ ፃዕዳ እንባን ብፀወታ ሁራ ሰለስተ ማዕሪጎም ካብ ዝኽበሩ በዓላት ብቀዳምነት ይስራዕ። ደቂ ልደት ብርብሮም/ውርውራዮም ሒዞም ናብ ሜዳ ብምውራድ ምስ ተኣኻኸቡ ናብ ቀረባኦም ዘሎ ቤተክርስትያን ብምኻድ ንፈጣሪኦም የመስግኑን የወድሱን።

ኣብ በሪ ቤተክርስትያን እንትበፅሑ ነብሲ ወከፍ ወዲ ልደት ካብ ጫፍ እቲ ብርብር ብምቁራፅ ናብ ቤተክርስትያን ይድብሪ።
ነብሲ ወከፍ ወዲ ልደት ካብ ሁራ ሰለስተ ብዝተፈለየ ሁራ ክልተ ኣእጋሮም እናመሳቐሉ ካብቲ ዝተኣከብሉ ናብ ቤተክርስትያን ይኸዱ። ካብ ቤተክርስትያን እንትምለሱ ድማ ብሁራ ሰለስተ ይምልሱ።

ሁራ ክልተ ን5500 ዓመታት ተኣሲርና ኔርና ዝብል መልእክቲ ኣለዎ። ሁራ ሰለስተ ምርጋፅ ድማ ተወሊድካ ካብ እስራት ኣድሒንካና ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ሳላኻ ሓዘና ናብ  ታሕጓስ ተቐይሩ ዝብል እውን እዩ።

ዓበይቲ ዓዲ ድማ ኣብ መወዳእታ ንደቂ ልደት መሪቖም ቀፃሊ ዓመት ዝበለፀ ዓመት ክኾነሎም ተመኒዮም ንደቂ ልደት መሪቆም ናብቲ መኣከቢ ሜዳ ይወርዱ። ስነ ስርዓት በዓል ልደት ድማ ኣብቲ ሜዳ ብዝተፋላለዩ ምድላዋት ይዛዘም ።

ፍልፍል፦ ከይዲ ስራሕ ባህሊን ቱሪዙምን ከተማ ኣፅቢ እንዳስላሰ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment