ስፓርት

ስፓርት

ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ዋንጫ ፕሪመርሊግ ዓቲራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሊቭርፑል ትማሊ ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ነታ ድሕሪ 30 ዓመታት ዝተዓወተትላ ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ ብዕሊ ተቐቢላታ። ሓለቓ ጋንታ ሊቨርፑል ጆርዳን ሃንደርሰን ነታ ዋንጫ ካብቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1990 ሊቨርፑል ንቸልሲ 5 ብ3 ስዒራ ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ ክተወስድ እንከላ ሓለቓ ጋንታ ሊቨርፑል ዝነበረ ሰረ ኬን ዳልግሊሽ’ዩ ተቐቢልዋ። ሊቨርፑል ፀወታ ፕሪሚየርሊግ ክዛዘም ሸውዓተ ፀወታታት ተሪፍዎ እንከሎ’ያ 25 ሰነ ተዓዋቲት ፕሪመርሊግ ምዃና ኣረጋጊፃ ዘላ። ፅንብል ሽልማት ዋንጫ…
Read More...

ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዓመተ 2023 ክካየድ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ዓመተ 2023 ከምዝካየድ ግዚያዊ ዋና ፀሓፊ ኮንፈደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ዓብደል ባህ ኣፍሊጦም። እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ መግለፂ ክህቡ እንከለዉ፥ ኣበየናይ ወርሒ ከምዝኸውን ከምዘይፈልጥ ብምግላፅ እቲ ውድድር ናብ 2023…

ጋንታ ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ሻምፒዮና ፕሜርሊግ እንግሊዝ ማዃና ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ተዓዋቲት ፅዋዕ ፕሜርሊግ እንግሊዝ ማዃና ኣረጋጊፃ። ጋንታ ኣንፊልድ ሊቨርፑል፥ ትማሊ ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ብቼልሲ ምስዓራ ስዒቡ ኢያ ሻምፒዮና ኮይና ዘላ። ተፃወትቲን ደገፍቲን እታ ጋንታ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዝረኸቡዎ ዓወት እናኽበሩ ይርከቡ።…

ኣብ ግጥማት ላሊጋ ስፔን ጋንታ ሪያል ማድሪድ ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 29 ሰሙን ፀወታታት ላሊጋ ስፔን ትማሊ ክልተ ፀወታታት ተኻይዶም። ኣብቶም ፀወታታት ጋንታታት ኣላቬስን ሪያል ማድሪድን ዓወት ቀኒዑወን። ጋንታ ሪያል ማድሪድ ንቫሌንሲያ ኣተኣናጊዳ 3 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ፥ ካሪም ብንዜማ ክልተ ሸቶታት ከምኡ እውን ማርኮ ኣሳንሲዮ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቦም። ጋንታ ኣላቬስ ድማ…

ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ። ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተቛረፁ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪሜርሊግ እንግኒዝ ድሕሪ 100 ሎሚ መዓልቲ ክጅምሩ ኢዮም። ብዝተገበረ ስምምዕነት መሰረት እቶም ዝተረፉ ግጥማት ብዘይ ደገፍቲ ዝካየዱ ምዃኖም፥ እብቶም ግጥማት ዘሎ ትፅቢት…

ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተጀመረ ላሊጋ ስፔን ጋንታ ሲቪያ ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ላሊጋ ስፔን ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ትማሊ ዳግም ናብ ውድድር ተመሊሱ። እቲ ውድድር ትማሊ ምሸት እንትጅምር ጋንታታት ሲቪያን ሪያል ቤቲስን ኣራኺቡ። እቲ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዝተጀመረ ውድድር ላሊጋ ስፔን ጋንታ ሲቪያ 2 ን 0 እንትትስዕር፥ ኦካምፖስን ሬጌስን እተን ሸቶታት ኣቑፂሮምወን። እቲ ፀወታ ኣብ…

ማንቼስተር ዩናይትድ ውዕሊ ኦዲዮን ኢጋሎ ኣናዊሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ማንቼስተር ዩናይትድ ናይ ናይጀሪያዊ ተፃዋታይ ኦዲዮን ኢጋሎን ውዕሊ ንተወሰኽቲ ኣዋርሕ ምንዋሓ ኣፍሊጣ። እታ ጋንታ ነቲ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ክሳብ መፃኢ ወርሒ ጥሪ ንኽተፅነሖ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሕት ገሊፃ ኣላ። እቲ ተፃዋቲ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበሮ ውዕሊ ትማሊ ተዛዚሙ ነይሩ። ኣብ…