Fana: At a Speed of Life!

ዝርገሐ ዕስለ ኣምበጣ መተሓሳሰቢ እናኾነ ይመፅእ ስለዘሎ ኣብ ዝባፅሑ ዝራእቲ ጉድኣት ከየብፅሕ ሕብረተሰብ ኣካል ወፍሪ ምክልኻል ንኽኸውን ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝርገሐ ዕስለ ኣምበጣ መተሓሳሰቢ እናኾነ ይመፅእ ስለዘሎ ኣብ ዝባፅሑ ዝራእቲ ጉድኣት ከየብፅሕ ሕብረተሰብ ኣካል ወፍሪ ምክልኻል ክኸውን ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ፀዊዖም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ምስ ጉጅለ ቴክኒክ ምክልኻል ዕስለ ኣምበጣ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርገሐ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ቅልጡፍን ሰፊሕን ስለዝኾነ ስራሕቲ ምክልኻል ብጣዕሚ ፈታኒ ከምዝገበሮ እቶም ኣባላት ጉጅለ ቲክኒክ ኣፍሊጦም።

እቲ ዕስለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመንፅር ዘለዎ ኩነታት ዝርገሐ እንትረአ፥ ስራሕቲ ምክልኻል ኬሚካል ብዝነፅጋ ኣውሮፕላናት ክሕገዝ ስለዝግባእ፤ ኣምበጣ ንምጥፋ ዘገልግላ ኣውሮፕላናት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብሓገዝ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ብግደኦም፥ ወራር ዕሰል ኣምበጣ ከብፀሖ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይን ንምክልኻልን ዝተጀመሩ ፃዕሪታት ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ዝርገሐ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ካብ እን ናብ እዋን ብቕልጣፈን ብስፍሓትን እናወሰኸ ይመፅእ ስለዘሎ፥ ኣብ ዝባፅሑ ዝራእቲ ከብፀሖ ዝኽእል ጉድኣት መተሓሳሰቢ ከምዝኾ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መንግስቲ እቲ ፀገም ንምክልኻል ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምሕባር፤ ሕብረተሰብ እውን ኣካል እቲ ወፍሪ ምክልኻል ንኽኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.