Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ጎርጎራ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓደ ኣካል መኣዲ ንሃገር ኣብ ዝኾነ ከባቢ መተግበሪ ፕሮጀክት ጎርጎራ ዑደት ኣሳሊጦም።

ብብርኪ ሃገር ኣብ ሰለስተ መባፅሕቲ ቦታታት ብብር ሰለስተ ቢሊየን ንምልማዕ መርሃ ግብሪ መተኣኻኸቢ እቶት እናተሳለጠ ይርከብ።
ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ኣብ ገምገም ቃላይ ጣና ዝርከብ ፕሮጀክት ጎርጎራ ሓደ ኢዩ።

ኣብ ፕሮጀክት ጎርጎራ ዋሕዚ ዑደተኛታት ንምስሓብን ከባቢያዊ ፀጋ ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ልምዓታት ንምትግባር ከምዝተሓሰበ ተገሊፁ።

ኣብቲ ቦታ ዘበናዊ ካፌን ሬስቶራንትን፣ መጋለቢ ፈረስን ብሽክሌታን፣ ልምዓት ባህላዊ መንደራት፣ ምርምር ሕርሻ፣ መግፈፊ ዓሳ ዝኸውን ቦታ ምልማዕን ተተሓሓዝቲ ፕሮጀክትታትን ተግባራዊ ክግበር ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.