Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ኣብ ውሽጢ ማእኸል ንግዲ ዝተኸዘነ ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ኣብ ውሽጢ ማእኸል ንግዲ ዝተኸዘነ ልዕሊ ብር 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ከምዝተትሓዘ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ወረዳ 9 ደምበል ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ውሽጢ ሓደ ማእኸል ንግዲ ዝተኸዘነ ገንዘብ ከምዘሎ ካብ ህዝቢ ሓበሬታ ከምዝተረኸበ ሓላፊ መተሓባበሪ ምርመራ ገበን ጣቢያ ፖሊስ ከባቢ ደምበል ኢንስፔክተር ሰለሞን ደጀኔ ተዛሪቦም።

ፖሊስ ድማ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብምውፃእ ኣብቲ ማእኸል ንግዲ ብዝገበሮ ፍተሻ ብሄራዊ ባምኪ ካብ ዘቐመጦ መምርሒ ወፃእ ተኸዚኑ ዝነበረ ብር 2 ሚሊየን 631 ሺሕ 735 ሓዱሽን ነባርን ብር ኢትዮጵያ ክሕዝ ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

ሕብረተሰብ፥ መንግስቲን ኣካላት ፀፅታን ኢኮኖሚ ሃገር ንምርግጋዕ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ኣካላት ዝወስዱዎ ስጉምቲ ብምድጋፍ ዝጀመሮ ምትሕብባር ኣናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኢንስፔክተር ሰለሞን ደጀኔ መልእኽቲ ምምሕልላፎም ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ባንኪ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ካብ ብር 1 ነጥቢ 5 ሚሊየነን ንላዕሊ ብኢድ ሒዝካ ምንቅስቓስን ምኽዛንን ከምዝኸልከለ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.