Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒትር ኪርጊዝታን ኩባትቤክ ቦሮኖቭ ካብ መዝነቶም ለቒቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒትር ኪርጊዝታን ኩባትቤክ ቦሮኖቭ ካብ መዝነቶም ለቒቖም።

ካብቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብተወሳኺ ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ዳስታን ጁማቤኮቭ እውን ደብዳቤ መልቀቒ መዝነት ኣእቲዮም ኢዮም።

እቶም ሰብ መዚ ስልጣኖም ዝለቐቑ፥ ኮሚሽን መረፃ ኪርጊዝታን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኻየደ ውፅኢት መረፃ ፓርላማ ውድቂ ምግባሩ ስዒቡ ኢዩ።

እቲ ኮሚሽን ውፅኢት መረፃ ተጭበርቢሩ ኢዩ ብዝብል ውድቂ ምግባሩ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ዜጋታት እታ ሃገር ነቲ ውፅኢት መረፃ ብምቅዋም ናብ ኣደባባይ ወፂኦም ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ጎንፂ ፈጢሮም ቀኒዮም ኢዮም።

ፓርላማ እታ ሃገር ንቀዳማይ ሚኒስትር ኩባትቤክ ቦሮኖቭ ንምትካእ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼባ፥ ንሳዲር ዣፓሮቭ እዋናዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሾይሙ ኣሎ።

መራሒ ተናሓናሒ ፓርቲ ኾኑ ዣፓሮቭ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2013 ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰብ መዚ ብዝፈፀሙዎ ተግባር ምዕጋት 11 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒን ማእሰርቲ ተበይኑዎም ናብ ቤት ህንፀት ኣቲዮም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.