Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ባህርዳር ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ናብ ከተማ ባህርዳር ኣቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከተማ ባህርዳር እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም ፓርክ ኢንዱስትሪ ባህርዳር መሪቖም ከምዝኸፍቱ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት ፓርክ ኢንዱስትሪ ባህርዳር ኣብ ልዕሊ 75 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ እንትኸውን፥ ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀቱ ድማ ኣብ 125 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ 4 ሺሕ ሰራሕተኛታት ንምቕባል ናይ ምንፃር ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንተኣቱ ድማ ብኽልተ ፈረቓ ክሳብ 10 ሺሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ካብ ኤመሓኣ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፥ ህንፀፅ ካልኣይ ምዕራፍ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ እንትዛዘም ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ካብ ዝፍጠር ዕድል ስራሕ ዕፅፊ ክፈጥር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ተለዓልቲ ቅድሚት ስራሕ ዕድል ከምዝወሃቦም እውን ተሓቢሩ።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.