Fana: At a Speed of Life!

ብዓል ብሄር ብሄረሰባት ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ናይ ኣከባብራ ለውጢ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሎሚ ዘበን ኣብ ዝኽበር ብዓል ብሄር ብሄረሰባት ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ናይ ኣከባብራ ለውጢ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ።

ቅድመ ሐዚ ብሓንቲ ክልል ኣሰናዳኢነት ዝኽበረሉ ዝነበረ መገዲ ብምትራፍ ካብ 15 ሕዳር 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝወፅአ መርሃ ግብሪ በቢክልሉ ከምዝኽበር ኣፍሊጡ።

ነዚ ስዒቡ 15 ሕዳር ኣብ ትግራይ፣ 16 ሕዳር ኣብ ደቡብ፣ 17 ሕዳር ኣብ ሶማሌ፣ 18 ሕዳር ቢንሻንጉልጉምዝ፣ 19 ሕዳር  ኣምሓራ፣  20 ሕዳር ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር ሃረር፣  22 ሕዳር ጋምቤላ፣ 23 ሕዳር ዓፋር፣  24 ሕዳር ኦሮሚያን 25 ሕዳር ኣብ ሲዳማን ክኽበር ኢዩ።

ሓድነትን ምትሕብባርን ህዝቢ ንምፍጣር ዕላማ ገይሩ ኣብ ዝኽበር እቲ በዓል ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ተግባራት ክፍፀሙ ኢዮም ተባሂሉ።

ኢትዮጵያውያን ብደም ዝተኣሳሰሩ ከምዝኾኑ ንምምልኻት ናይ ሓደ ክልል ናብቲ ካሊእ ክልል ብምኻድ ደም ምልጋስ ተግባር ከምዝፍፀም ተገሊፁ።

ስነስርዓት ሽግ እውን ኣብ ኩለን ክልላት ከምዝዛወር ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.