Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሎሚ መዓልቲ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)5ይ ዘበን 6ይ ዓመት እዋን ስራሕ ቀዳማይ ስሩዕ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ 25 መስከረም 2013 ዓ.ም ክሳለጥ ኢዩ።

ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ድማ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ብዝገብረኦ መደረ ክኽፈት ኢዩ ተባሂሉ።።

ኣብ መኽፈቲ መደረ እተን ፕሬዚዳንት መንግስቲ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ትኹረት ሂቡ ዘሳልጦም ተግባራት ዕላዊ ክግበሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ መኽፈቲ ስነስርዓት ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ስሙያት ሰባትን ኣምባሳደራትን ከምኡውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓለም ተወከልቲ ለኻዊ ትካላት ከምዝርከቡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዝለኣኾ መግለፂ ይሕብር።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን እቲ ስሩዕ ኣኼባ ኣመልኪቱ ኣብዘመሓላለፎ መልእኽቲ ፃውዒት፥ እቲ ቤት ምኽሪ ስሩዕ ኣኼብኡ 26ን 27 መስከረም 2013 ዓ.ም ቀፂሉ ከካይድ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.