Fana: At a Speed of Life!

መምህራን ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መምህራን ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፀዊዑ።

ሚኒስቴር ትምህርቲ ፅዕንቶ ኮቪድ19 ብምፅዋር ኣቢያተ ትምህርቲ ዳግም ንምኽፋት ዘኽእሉ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋት እናሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ቫይረስ ብምፅዋር ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግደ መምህራን ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

እቶም ሚኒስትር፥ መምህራን እቲ ቫይረስ እናተኸላኸሉ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልክዕ ከም ሰብ ሞያታት ጥዕና ዓቢዪ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

መምህራን ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝህልዉ ፅዕንቶታት ተፃዊሮም፤ ክግበሩ ዝግበኦም ጥንቃቐታት ብምግባር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ስረሖም ክትግብሩ ይግባእ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.