Fana: At a Speed of Life!

መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃምን ዓመፅን ጎንፂን ንምቕስቃስን ብሕቡእ እናሰርሐ ዝፀንሐ ጉጅለ ምስ መሻርኽቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ከምኡ እውን ዓመፅን ጎንፂን ንምቕስቃስ ብሕቡእ እናሰርሐ ዝፀንሐ ጉጅለ ምስ መሻርኽቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ንፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ኣብ ከተማታት ቢሾፍቱን ኣዲስ ኣበባን ብድሙቕ ኩነታት ምስዝኽበር በዓል ኢሬቻ ተተሓሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም፣ ዓመፅ ንምቕስቃስ፣ ጎንፂን ምትርማስን ንምፍጣር ምስ ውሑዳት ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ርክብ ብምፍጣር ልኡኽቶ ተቐቢሉ እናተሓባበረን እናመርሐን ዝነበረ ጉጅለ ኦነግ ሸኔ ምስ መሻርኽቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ከምዝገበረ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ፥ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ልኡኽቶ ተዋሂቡዎ ብሕቡእ ንዝተወደበ ጉጅለ ዝኸውን 10 ክላሺንኮቭ መሳርሒ ኲናት ምስ 280 ጠያይቲ ካብ መቐለ ናብ ባቲ እንትጓዓዝ፤ 16 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ ሃይቅ ምስተሸከርካሪቱ ክትሓዝ ክኢሉ ኢዩ።

ኣብ ኩሉ ካፋል እዛ ሃገር ህዝባዊ ዓመፅ ክውላዕ ንምግባር ብዝብል እቲ ምንቅስቓሱ ንምዕዋት ካብ ሞንጎ ዝተመልመሉ ሳባት ሓደ ዝኾነ እንድሪስ እያሱ መሓመድ ዝተብሃለ ኣባል ኦነግ ሸኔ ምስ ሓላፊ ቢሮ ፀፅታ ክልል ትግራይን ካልኦት ውሑዳት ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓትን እቲ ልኡኽቶ ብሕቡእ እናዋደዱ ከምዝነበረ እቲ ኣገልግሎት ብዝገበሮ ክትትል ምርግጋፁ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ጥፍኣት፥ ፅባሕ ቀዳማን ሰንበትን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮሚያን ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር፤ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዓመፅ ንኽውላዕን ናብ ካልኦት ከባቢታት ንኽዛመትን ብመሳርሒታት ኲናት ዝተሓገዘ ምትርማስ ንምፍጣር ካብ መቐለ ናብ ማእኸል ሃገር ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናት ልእኹ ከምዝነበሩ ተሓቢሩ።

ነዚ ተግባር ዝፍሙሎም ውልቀ ሰባት መልሚሎም ናብ መቐለ ወሲዶም ብምስልጣን ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይልእኹ ከምዝነበረ እውን ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ መግለፂኢ ኣፍሊጡ።

ካብ ሞንጎ እቶም ዝተመልመሉ ሰባት ሓደ ድማ እንድሪስ እያሱ መሓመድ ዝተብሃለ ኣባል ኦነግ ሸኔ እንትኸውን፥ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ከሚሴ፣ መቐለ – ኣዲስ ኣበባ ብምምልላስ ዝተውሃቦ ልኡኽቶ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሰ ፀኒሑ ኢዩ።

መራሒ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት፥ ኣብ መቐለ ምስ ዝርከቡ ሓላፊ ቢሮ ፀፅታ ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ ምትኩን ካልኦት ውሑዳት ሰባት ህወሓትን ርክብ ብምፍጣር መሳርሒታት ኲናት፣ ገንዘብን ልኡኽቶን ብምቕባል ምስ ጉጅለ ዕጡቓት ሸኔ ብምትእስሳር ኣብ ኦሮሚያ ጉጅለ ዓመፅቲ እናዳለወ ፀኒሑ ኢዩ።

እቲ ጉጅለ 16 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ ሃይቅ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓሎም እቲ ኣገልግሎት ገሊፁ።

ኣምሓርኛ፣ ኦሮሞኛ፣ ሱማሊኛ፣ ዓፋርኛን ዓረብኛን ብድምሩ ሓሙሽተ ቋንቋታት ከምዝዛረብ ዝተሓበረ እቲ መራሒን መተሓባበሪን ጉጅለ ኢዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ እንድሪስ እያሱ መሓመድን መሻርኽቱን፥ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ንምውዓል ብዝተገበረ ምንቅስቓስ ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ስርሑ እንትሰርሕ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፣ ኮሚሽን ፖሊስ ኣምሓራን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ብሓባር ምስረሖም ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

እቲ ዝተሃቀነ ሽርሒ ኣብ ምፍሻል ሕብረተሰብ ልዑል ተሳትፎ ከምዝገበረ እውን እቲ ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.