Fana: At a Speed of Life!

አብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 36 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 621 ወገናት ምርመራ ላብራቶሪ ዝተገበረሎም እንትኸውን፥ 36 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቶም ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት፥ 16፣ ምስ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም 4፣ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ ድማ 16 ወገናት እዮም ተባሂሉ።

ፍልፍል ተቓላዓይነት ዝተረኸበሎም ቦታን እንትረአ፥ 16 ወገናት ካብ ማሕበረሰብ ኮይኖም ካብዚኦም

-ኣብ መቐለ 13 ወገናት፣ ኣብ ሰቲት ሑሞራ፣ ዓዲ ዳዕሮን ሽረን ሓደ ሓደ ወገናት እዮም፡፡

  • ኣብ ኣርባዕተ (4) ምስ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም እንትኾን ዓዲ ዳዕሮ 3 ወገናት፣ ኣብ ሽረ 1 ወገን እዮም፡፡
  • ዓሰርተ ሽዱሽተ (16) ወገናት ኣብ መወሸቢ ማእኸል ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ኮይኖም ኣብ መቐለ 7 ወገናት፣ ኣብ ሽረን ዓድዋን ሰለስተ ሰለስተ ወገናት፣ ኣብ ኣኽሱም 2 ወገናት እዮም፡፡

ብኻሊእ ወገን ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 21 ካብ መቐለ፣ 15 ካብ ሑሞራ፣ 4 ካብ ሽረ፣ 1 ካብ ዓዲግራት ብድምር 41 ወገናት ካብ ማእኸል መሐከሚ ቫይረስ ኮሮና ሎሚ ዕለት ድሒኖም ናብ ገዝኦም ተፋኒዮም እዮም።

ድምር ክሳብ ሎሚ ኣብ ትግራይ 71 ሺሕን 942 ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ ካብቶም ዝተመርመሩ 5 ሺሕን 960 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም እዩ።

ካብዚኦም 1 ሺሕን 179 ወገናት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፤ ኣብ ክትትል ሕክምና ካብዘለው እቶም 26 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና 19 ድማ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ።

ብጠቕላላ ክሳብ ሕዚ 4 ሺሕን 746 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ዝተፋነው እንትኾኑ ዛጊድ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ናይ 35 ወገናት ሞት ኣጋጢሙ እዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.