Fana: At a Speed of Life!

ብዓል ኢሬቻ ብሰላም ንከይበዓል እንትንቀሳቐሱ ዝነበሩ 503 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዓል ኢሬቻ ብሰላም ንከይበዓል እንትንቀሳቐሱ ዝነበሩ 503 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ጀኔራል እቲ ኮሚሽን ኮማንደር ኣራርሳ መርዳሳ ከምዝበልዎ፥ ብዓል ኢሬቻ ብሰላም ንከይበዓል እንትንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰባት ከምኡ ውን መሳርሒ ኲናት ተታሒዙ።

ብመሰረት እዚ 14 ክላሽ፣ 26 ቡምባ ኢድን 103 ሸጓጉጥን ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።

ሕብረተሰብ ካብ ኦነግ ሸኔን ህወሓትን ልኡኽ ብምቕባል ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብዝምልከት ሓበሬታ ንኣካላት ፀፅታ ብምሃብ ሰላሙ ንክሕሊ እቶም ኮሚሽነር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.