Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ እዋን ዕፅዋ ሰላማዊ ሰልፊ ዝእግድ ሕጊ ኣውፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ እስራኤል ኣብ እዋን ዕፅዋ ካልኣይ ማዕበል ምልባዕ ቫይረስኮሮና መንግስቲ ብዝሒ ህዝቢ ዝሳተፎ ዝኾነ ይኹን ሰላማዊ ሰልፊ ንኽእግድ ስልጣን ሂቡ።

እቶም ሰልፈኛታት ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ምክልኻልን ምፍንታትን ገይሮም ካብ መንበሪ ገዛውቶም ሓደ ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ኮይኖም በብዕስራ ሰባት ተጎጂሎም ፃውዒቶም ከቕርቡ ይእዝዝ።

እቲ ሕጊ ኣካል እቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኣወጀ ብዙሕ ሕግታታ እዩ ተባሂሉ።

እንተኾነ እቲ ውሳነ ኣንፃር ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ንዝለዓል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምዕፋን ዝተገብረ እዩ ብዝብል ተቓውሞታት ይቀርብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣሽሓት ሰባት ኣብ እየሩሳሌም ዝርከብ መንበሪ ቤት ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ናታንያሁ ንሰሙናት ዝኣክል ተኣኪቦም፥ ብክስታት ብልሽውናን ብኣተኣላልያ ለበዳ ኮቪድ-19ን ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ክሓቱ ፀኒሖም’ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግን ምንም ጌጋ ከምዘይፈፀሙ ኢዮም ዝዛረቡ።

ብኣንፃሩ ድማ ዋላ እውን ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ደው ኣይበለን ዘሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ እስራኤል ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምንፅፃር ካብ ዓለም ዝዓበየ ዝርገሐ ኮቪድ ዘጋጥማ ዘሎ ሃገር ምዃና ይፍለጥ።

በዚ ድማ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ እስራኤል ኣስታት 250 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ከኣ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.