Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ኣመራርሓ ዩኒቨርስቲ ራያ ዝሐሸ ምህርቲ ዝህቡ ዓሌታት ዘራእቲ ንምስፍሕፋሕ ዘኽእል ልምዲ ንምርካብ ዓሊሞም ዑደት የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ዩኒቨርስቲ ራያ ዝሐሸ ምህርቲ ዝህቡ ዓሌት ዘራእቲ ንምስፍሕፋሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ከባቢ ዑደት የሳልጡ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

እቶም ኣመራርሓ፥ ዩኒቨርስቲ ራያ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝሐሸ ምህርቲ ዝህቡ ዓሌታት ዘራእቲ ንምስፍሕፋሕ  ዓሊሙ ንዝገበሮ ዘሎ ፃዕሪ ንምዕዛብ ዑደት ይገብሩ ከምዘለዉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ እቲ ዩንቨርስቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት እዚ ካብቲ ዑደት ዝተረኸበ ተመክሮ ብምግምጋም በቲ ዩንቨርስቲ ኣቢሎም ዝሐሸ ምህርቲ ዝህቡ ዓሌታት ዘራእቲ ንምስፍሕፋሕ ኣብ ዝተሰርሑ እወንታዊ ስራሕቲ ናብ ኩሉ ንምስፋሕ ዘኽእል ውፅኢት ክርከብ ትፅቢት ይግበር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.