Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ተተሓሒዙ ዝካየድ መፅናዕቲ ኣብ መላእ ሀገር ዝርከባ 68 ከባቢታት ከምዝሽፍን ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ዝተተሓሓዙ ፀገማት ካብ መሰረቶም ንምፍታሕ ዘኽእል ፕሮጀክት ሃገራዊ መፅናዕቲ ካብዚ ዓመት ጀሚሩ ንምዝዛም ዩኒቨርሲታት ብሓባር ከምዝሰርሓ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርከባ 24 ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ወሰን ምሕደራ፣ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ኣድሂቡ ዝካየድ ሃገራዊ ፕጀክት ብሓባር ንምስራሕ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪመን።

ኣካቢ ኮሚሽን ጉዳያት ምሕደራ ወሰንን መንነትን ዶክተር ጣሰው ገብሬ ከምዝበሉዎ፥እቲ መፅናዕቲ ብቐልጡፍ ንምክያድ ብሓባር ምስራሕ ዝሐሸ ከምዝኾነ ኢዩ።

“እቲ ስምምዕነት ዘድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ጉዳያት ወሰን ምሕደራ፣ መንነትን ዓርሰ ምሕደራን ብመፅናዕቲን ምርምርን ምፍታሕ ስለዘድለየ ኢዩ” ኢሎም።

እቲ መፅናዕቲ ማዕርነት ህዝቢን ኣብ ፍቓድ ዝተመስረተ ሓድነት ንምፍጣር ኣብ ዝውሰዱ መፍትሒታት ምክረ ሓሳብ ንምቕራብ ተሓሲቡ ዝካየድ መፅናዕቲ ከምዝኾነ እቶም ኣካቢ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ብምኽንያት ምምሕዳራዊ ወሰናት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝፍጠሩ ዘለዉ ጎንፂታት ዝፍትሑሉ መገዲ ኣንፈት ንምሕባርን ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ፅቡቕ ርክብ ንኽህሉ ምርምር ንምግባር ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ ምምሕዳራዊ ወሰናት መበገሲ ጎንፂታት ከይኾኑ ምኽረ ሓሳብ ከምዝወሃብ እውን ዶክተር ጣሰው ኣገንዚቦም።

እቲ መፅናዕቲ፥ ኣብ ኩሎም ብሄር ብሄረ ሰባት፣ ዞባታትን ፍሉያት ወረዳታትን ጠረፍ ከባቢታትን ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

እቲ ዝካየድ መፅዕቲ ፅገናዊ ለውጢ ንምምፃእ ዘይኮነስ ዘላቒን ዘየዳግምን መፍትሒ ንምምፃእ ዝሳለጥ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ መላእ ሀገር ዝርከባ 68 ከባቢታት ኣብቲ መፅናዕቲ ከምዝካተታን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት እቲ መፅናዕቲ ከምዝዛዘምን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ፌርማ ከምዝበሉዎ፥ ቀንዲ ዕላማ እቲ መፅናዕቲ እዚኦምን መሰል ፀገማትን ንምውጋድ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ መፅዕቲ ንምክያድ ዘኽእል ብር 20 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝተመደበ እንትኸውን፥ ብዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣቢሉ ወፃኢ ከምዝግበር እውን ተሓሩ።

ካብ ሞንጎ እተን ዩኒቨርሲታት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኮሚሽን ጉዳያት ምምዳሕር ወሰንን መንነትን ብመሰረት ዝኣተዎ ውዕሊ ነቲ መፅናዕቲ ክመርሖ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.