Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእኻይን ጎንደር ብዝተፈጠረ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ጉድኣት ንዝበፀሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ሓገዝ ኣቑሑት ተገይሩ

ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእኻይን ጎንደር ብዝተፈጠረ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ጉድኣት ንዝበፀሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ብር 22 ነይጥቢ 2 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ ኣቑሑት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእኻይን ጎንደር ብሓደጋ ውሕጅን ምዕልቕላቕን ጉድኣት ንዝበፀሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ብር 22 ነይጥቢ 2 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ ኣቑሑት ገይሮም።

ቃላይ ጣና መሊኡ ብምፍሳሱ ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእኸላይን ጎንደር ዝርከባ ኣዋሰንቲ እቲ ቃላይ ኣብ ዝኾና ወረዳታት ምዕልቕላቕ ማይ ተፈጢሩ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ጉድኣት ምብፅሑ ይፍለጥ።

ሩባታት ርብን ጉማን ካብ መጠን ንላዕሊ ብምምለኦም ብዝተፈጠረ ሓደጋ ውሕጅ እውን ጉድኣት በፂሑ ኢዩ።

ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ብሓባር ብር 22 ነይጥቢ 2 ሚሊየን ዝግመት ሽኮር፣ ዘይቲ ብልዒን ክዳውንቲን ንርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ተመስገን ጥሩነህ ኣረኪቦም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌው፥ መንግስቲ ፌዴራል ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ተመስገን ጥሩነህ ብግደኦም፥ ዘላቒ መፍትሒ ክሳብ ዝወሃበሉ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ብምግላፅ ንዝተገበረ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብግዚያዊነት ካብ ዝግበር ሓገዝ ጀሚሩ ስግኣት ሓደጋ ውሕጅ እቲ ኸባቢ ብዘላቒ ንምፍታሕ፥ ነበርቲ ካብ ሕርሻ ቦተኦም እንተይረሓቑ ኣብ ካሊእ ቦታ ዝነብሩሉ ኣማራፂ መንግስቲ አእቲ ክልል ፅንዓት እናገበረ ከምዝኾነ ምግላፆም እውን ኤመሓኣ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.