Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 604 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 8 ሺሕን 348 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 604 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 71 ሺሕን 687 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 7 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 1 ሺሕን 148 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 208 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ብድምር ድማ 29 ሺሕን 461 ሰባት ካብቲ ሕማም ድሒኖም ናብ ገዝኦ ተመሊሶም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 267 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ እውን ተገሊፁ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.