Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ቴድሮስና ኣድሓኖም ካብ ሞንጎ 100 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ዓለም ሓደ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያዊ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስና ኣድሓኖም ኣብ ታይም መፅሄት 2020 ካብ ውሽጢ ፅዕንቶ ፈጠርቲ 100 ሰባት ዓለም ሓደ ኮይኖም።

ትውልደ ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ድምፃዊ ኣቤል ተስፋየ (ዘ ዊክንድ)ን ሰኣሊት ጆሊ ምህረቱን እውን ኣብቲ መፅሄት ካብ ሞንጎ ዝተሓረዩ 100 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሰባት ይርከቡዎም።

ዶክተር ቴድሮስ ብዘፈር መራሕቲ ከምኡ እውን ድማፃዊ ኣቤል ተስፋየን ሰኣሊት ጆሊ ምህረቱን ኣብ ዘፈር ኪነ-ጥበብ ኣብ ፅዕንቶ ፈጠርቲ 100 ሰባት ዓለም ዝተሓረዩ ኢዮም።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾኑ ዶክተር ቴድሮስና ኣድሓኖም፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ዓለም ዝርከብ ወዲ ሰብ ፅሬት ዘለዎ ክንክን ጥዕና ክረክብ ኣለዎ ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዎም እቲ መፅሄት ገሊፁ።

ኣብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ዝኽእሉ ሕማማት ህይወት ደቂ ሰባት እንትቐጥፉ ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ዝረኣዩ ዶክተር ቴድሮስ አድሓኖም፥ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝተወለዐ ለበዳ ቫይረስ ኢቦላ ኣብ ምዕጋት ናይ ባዕሎም ሓላፍነት ተዋፂኦም ኢዮም ክብል ኣብሪሁ።

እቲ ዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ድማ ብብርኪ ዓለም ተወሊዑ ዘሎ ተላባዲ ሕማም ቫይረስኮሮና ኣብ ምክልኻል ዓቢዪ ተስፋን ጥንኩር ዕላማን ንኽልዎም ኣኽኢሉዎም ኣሎ ክብል እቲ መፅሄት ገሊፁ።

ዶክተር ቴድሮስ አድሃኖም፥ ኣብ ኖርወይ ዝዳሎ ብሉፅ ናይ ዓለም ”ብሪጅ ሜከር አዋርድ 2020” ሽልማት ተዓዋቲ ኮይኖም ትማሊ ሽልማቶም ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።

ካሊእ ፅዕንቶ ፈጣሪ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ካናዳ ዘለዎ ኣቤል ተስፋየ ( ዘ ዊክንድ ) ብግድኡ፥ ብብርኪ ዓለም ተፈታውነት ዘትረፈ ድምፃዊ፣ ገጣሚን ፐሮዱሰር ሙዚቃን ኢዩ።

ኣቤል ተስፋዬ ኣብ 2020 ዝለቐቖ  ኣፍተር ኣወርስ (after hours) ዝተብሃለ ኣልበሙ ተፈታውነት ዘትረፈ ምዃኑ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብፍላይ Blinding Lights ዝብል ደርፉ ብዘፈር ፖፕ ሙዚቃ ብሉፅ ደርፊ ተባሂሉ ከምዝተሓረየ ሓበሬታታት የመላኽቱ።

ትውልደ ኢትጵያዊት ሰኣሊት ጆሊ ምህረቱ እውን ኣብቲ መፅሄት ፅዕንቶ ፈጠርቲ 100 ሰባት ሓንቲ ኮይና ኢያ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.