Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓዱሽ ዓመት ባህሊ ምትሕግጋዝና ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ-ኣቦታት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሓዱሽ ዓመት ባህሊ ምትሕግጋዝና ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣቦታት ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ገሊፆም።

ሓደሽ ዓመት 2013 ዓ.ም ምኽኒያት ብምግባር ቀዳማዊ ፓትሪያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፣ ኣካቢ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢንድሪስ፣ ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌልን ላዕለዋይ ፀሓፊ ካውንስል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያ ቄስ ደረጀ ጀምበሩን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ኣቦታት ሃይማኖት፥ ዝሓለፈ ክፉእ ነገር ንከይድገም፣ ሰናይ ተግባር ሃገርን ዜጋን ንክወርስ ከከምእምነቶም መግለፂ ሰናይ ትምኒት ሓዱሽ ዓመት ገሊፆም።

ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፥ “እንኳዕ ካብ ዘበነ ዮሃንስ ናብ ዘበነ ማቲዎስ ብሰላም ኣብፀሐኩም” ክብሉ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ገሊፆም።

ዑደት ጊዘ ኣብ ትሕቲ ሕጊን ቁፅፅርን ፈጣሪ ዝኸውንን ፍጡራን ክቆፃፀርዎ ዘይተፈቐደሎምን ግን ድማ ብኣግባቡ ክጥቀምሉ ዝተፈቐደሎም ኢዩ ኢሎም።

ኣካቢ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ኡመር ኢንድሪስ ብግደኦም፥ እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ኣብፀሐኩም ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።

ኩልና ፀባይ ሰብነት ሂቡና ዝጠቕመና እንስዕብ ይግበረና እውን ኢሎም።

ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል፥ ፈጣሪ ሓዱሽ ዓመት እንትልግሰልና ንደቂ ሰባት ደስ ዝብል ረብሓን እሱ ንዝደሊዮ ዕላማ ምዃኑን ክዝንጋዕ ኣይብሉን ኢሎም።

ዝሓለፈ ዓመት ጎንፂታት፣ ኮቪድ 19፣ ሓደጋ ውሑጅ፣ ዕስለ ኣንበጣን ካልኦትን ብምግጣሞም ፍርቂ ብርሃን ፍርቂ ፀልማት ኮይኑ ንክሓልፍ ክኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ደቂ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ጥራሕ ካብ ዝሓስቡ ንካልኦት ወገናት ምሕሳብ ፈጣሪ ካብ ዝፈትዎ ሓደ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ላዕለዋይ ፀሓፊ ካውንስል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያ ቄስ ደረጀ ጀምበሩ ድማ፥ ዓመተ 2013 ብምትሕግጋዝን ብምድምማፅን ክሓልፍ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ንኹሉ እንሓቁፍ ሃገር ንምምስራት እንተተደሊዩ ዘይምርድዳእ ብኣፈሙዝ ካብ ምፍታሕ ብዝዘለለ መድረኻት ልዝብ ምስፋሕ ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኩሎም ኣቦታት ሃይማኖት፥ ዓመተ 2013 ዓመተ ሰላምን ምክብብባርን ንክኸውን ኩሉ ሰብ ገድኡ ንክዋፃእ ሓቲቶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.