Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ሰረት ብልፅግና ናይ ምንባር ስራሕ ኣብ 2013 ዓ.ም ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሰረት ብልፅግና ናይ ምንባር ስራሕ ኣብ 2013 ዓ.ም ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፓርቲ ብልፅግና ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ኣብ 2012 ዓ.ም ህልውና እዛ ሃገር ዝፈታተኑ ፀገማት ምስጋር ተኻኢሉ ኢዩ።

ለውጢ ንምትዕንቓፍን ኣብ ህልውና ሃገር ዝመፅአ ምንቅስቓስ ጥፍኣትን ነዛ ሃገር ዋጋ ኣኽፊሉዋ ከምዝሓለፈ ተዛሪቦም።

ኣብ መንጎ ህዝቡ ጎንፂ ብምፍጣር ዘይተረጋግዐ ዓመት ንክሓልፍ ዘኽእል ኩነታት እንተነበረ እውን ብፍላይ ዝተዳኸመ ኢኮኖሚ ኣብ ምፅጋንን ግዙፋት ፕሮጀክትታት ኣብ ምዝዛምን ዓወት ከምዝተመዝገበ ሓቢሮም።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኢትዮጵያ ምህዳር ፖለቲካ ንምስፋሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣማራፅታት ድርድር ብምኽታል ብምርድዳእ ንኹሉ ዘሳተፈ ዴሞክራሲ ንምህናፅ ዘኽእል ስራሕቲ ይቕፅል ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም።

ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ብቐፃልነት ንምንጋስ፣ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ናይ ምፍጣርን ናህሪ ዋጋ ንምፍታሕን ዘኽእሉ ሓላፍነታት ትፅቢት ከምዝግበሩ ድማ ገሊፆም።

ብድምር ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ሰረት ብልፅግና ናይ ምንባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ብሃይለየሱስ መኮንን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.