Fana: At a Speed of Life!

ትእምት 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ዝተፈላለዩ መፃሕፈቲ ብውህብቶ ኣበርኪታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ብ1 ነጥቢ 7  ሚሊየን ብር ዝተዓደጉ ዝተፈላለዩ መፃሕፈቲ ኣብ 12 ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ንዝርከባ ኣብያተ መፃሕፍቲ ሎሚ መዓልቲ ኣበርኪታ።

እቶም መፃሕፍቲ ብቋንቋ ትግርኛን ኣምሓርኛን ዝተሰናድኡ ቁፅሮም ልዕሊ 5 ሺሕን 600 ኢዮም።

ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ትእምት ኣይተ ወልዳይ ገብረመድህን ከምዝበልዎ፥ መናእሰይ ቫይረስ ኮሮና እናተኸላኸሉ ጊዜኦም ኣብ ምንባብ ንከሕልፉ፣ ታሪኮምን ባህሎምን ንክፈልጡ ዝዓለመ ደገፍ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ደረስቲን ፀሓፍቲን ንምትብባዕ ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ድጋፍ ካብ ዝተገበረለን ከተማታት ትግራይ፥ መቐለ፣ ኣኽሱም፣ ዓዲግራትን ውቕሮን ተረቋሕቲ ኢየን።

ትእምት ቅድሚ 6 ኣዋርሕ እውን ኣብ ከተማ መቐለ ንዝርከቡ ዓይነ ስዉራን ተምሃሮ ንምምሃር ምስትምሃር ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መፃሕፍቲን ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒታትን ድጋፍ ምግባራ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.