Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ከተማ መቐለ ቫይረስኮሮና እናተኸላኸሉ ወገኖም ብምሕጋዝ ባዓል ሓዱሽ ዓመት ንምሕላፍ ከምዝተዳለዉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበርቲ ከተማ መቐለ ቫይረስኮሮና እናተኸላኸሉ ወገኖም ብምሕጋዝ ባዓል ሓዱሽ ዓመት ንምሕላፍ ከምዝተዳለዉ ገሊፆም።

በዓል ሃፍቲ ኣይተ ደስታ በርሀ ከምዝበልዎ፥ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ልሙድ ባህሊና እኳ እንተኾነ ብፍላይ ሎሚ ዘበን ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ዝሕገዝን ዝድገፍን ማሕበረሰብ ቁፅሩ ክብ ኢሉ ኢዩ።

ስለዝኾነ ንማእኸል ክንክን ኣረጋውያን ምድረ ገነት ትግራይ 50 ሺሕ ብር ደገፍ ከምዝገበሩ ኣይተ ደስታ ተዛሪቦም።

ንስኡናት ወገናት ዘለካ ምክፋል በዓል ሃፍቲ ምዃን ጥራሕ ትፅቢት ከምዘይግበር እውን ሓቢሮም።

እቲ በዓል ምኽኒያት ብምግባር ፍቓደኛታት ካብ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ባንኪ ኣንበሳ ዝተዋፅአ 9 ሺሕን 600 ብር ንስኡናት ወገናት ከምዝተበርከተ እውን ተገሊፁ።

ዓመት በዓል እንትኽበር ንሃገሮም ብዙሕ ስራሕ ዝሰርሑ ኣረጋውያንን ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር ዝኾኑ ኣብ ጎደና ዝመሓደሩ ህፃናትን ካብ ዝወደቑሉ ብምትሳእ ክኸውን ከምዝግባእ ድማ ተሓቢሩ።

ማእኸል ክንክን ኣረጋውያን ምድረ ገነት ትግራይ 260 ስኡናት ኣረጋውያን ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን፥ ብሰንኪ ምንኣስ ዓቕሚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ 15 ዘይዛይዱ ኣረጋውያን ብምሓዝ ክንክን ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.