Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣምባሳደራት ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣምባሳደራት ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት ኣሳሊጦም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዋና ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ኣምባሳደራትን ቆንስል ጀኔራላትን ንዘሓለፉ ክልተ ሰሙናት ከካይዱዎ ዝፀንሑ ዓመታዊ ኣኼባ ምዝዛሞም ይፍለጥ።

እቶም ተሳተፍቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትጵያ ዑደት ብምክያድ ህንፀት እቲ ግድብ ዝበፅሐሉ ብርኪ ተዓዚቦም።

ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ ግድብ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ፥ ነቶም ኣምባሳደራት ሓፈሻዊ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ መብርሂ ገይሮምሎም።

ህንፀት እቲ ግድብ እንትጅመር ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዝነበሩን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ዝኾኑ ኣምባሳደር ኣለማየሁ ተገኑ፥ ህንፀት እቲ ግድብ ኣብዚ ብርኪ በፂሑ ምርኣዮም ከምዘሐጎሶም ገሊፆም።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀ ስላሴ ብግደኦም፥ በቲ ዝገበሩዎ ዑደት ሕጉስ ከምዝኾኑ ብምግላፅ “ግድብ ህዳሰ ዋጋ ሓድነትን ረሃፅን ኢትዮጵያውያን ኢዩ” ኢሎም።

ካልኦት ኣምባሳደራት እውን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ኮይኖም ነቲ ግድብ ሓገዝ እናገበሩ ንዝነበሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትዮጵያን ዓቢዪ ትርጉም ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.