Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታላት ክትትል ሕክምና ሕፅበት ኩላሊት ዝገብሩ ዘለዉ ዜጋታት ወፃኢኦም ብመንግስቲ ክሽፈን ኢዩ – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታላት ክትትል ሕክምና ሕፅበት ኩላሊት እናገብሩ ዝርከቡ ዜጋታት ዓመት ሙሉእ ወፃኢኦም ብመንግስቲ ከምዝሽፈን ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ምክትል ከንቲባ መዓልቲ ምስጋና ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሆስፒታል ዘውዲቱ ተረኺበን ዑደት ኣሳለጠን።

ኣብ ዝገበረኦ ዑደት ድማ ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታላት ክትትል ሕክምና ሕፅበት ኩላሊት እናገብሩ ዝርከቡ ዜጋታት ዓመት ሙሉእ ወፃኢኦም ብመንግስቲ ከምዝሽፈን ገሊፀን።

ሕሙማት ኩላሊት ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዘ ሕፅበት ኩላሊት ብምግባር ንልዑል ወፃኢ እናተቓልዑ ምዃኖም ይፍለጥ።

ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ እቲ ፀገም ተረዲኡ ልዕሊ ብር 12 ሚሊየን ወፃኢ ብምግባር ብናፃ ሕፅበት ኩላሊት ንኽብሩ ከምዝወሰነ እተን ምክትል ከንቲባ ተዛሪበን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሰለስተ መንግስታዊ ሆስፒታላት ማለት እውን ኣብ ሆስፒታል ሚኒሊክ፣ ጳውሎስን ዘውዲቱን ግልጋሎት ሕፅበት ኩላሊት እናተውሃበ ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.