Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብብር 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ኣብ ዝህነፅ ዘሎ ሪፈራል ሆስፒታትል ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትገራይ ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብብር 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ኣብ ዝህነፅ ዘሎ ሪፈራል ሆስፒታትል ዑደት ኣካይዶም።

እቲ ሆስፒታል ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ብምዃን ዝህነፅ ዘሎ እንትኸውን፥ ህንፀቱ እንትዛዘም 1 ሺሕን 200 ዓራት ክሕዝ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ዶክተር ሓጎስ፥ ኣብቲ ዑደትብዛዕባ እቲ ህንፀት ብመዳርግቲ ኣካላት መብርሂ ከምዝተገበረሎም ተገሊፁ።

እቲ መብርሂ ኣብ ከይዲ ህንፀትን ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ልዕሊ ብር 6 ሚልየን ወፃኢ ዝተገበረሉ ብሓልዮት ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣግኣዚ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝተበርከተ መሳርሒ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ማእኸል ላቦራቶሪ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ተመሪቑ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ስርሑ ከምዝጀመረ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.