Fana: At a Speed of Life!

ኩሎም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣምባሳደራት እታ ከተማ ኢዮም – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንበሪኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኩሎም ኣምባሳደራት እታ ከተማ ከምዝኾኑ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ሎሚ መዓል 3 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም መዓልቲ ኣምባሳደርነት ብምዃን “ኣነ እውን ኣምባሳደር ከተማይ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ መሰናድኢታት እናተሓሰበት ትርከብ።

ካብ ሞንጎ እቶም መርሃ ግብርታት ድማ መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትትን ኣብ እዋን ወፍ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተኸሉዎም ፈልሲታት ምኹስኳስ ሓደ ኢዩ።

ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ አዳነች ኣቤቤ ነዙይ ኣመልኪተን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዓለም ለኸ ትካላትን ማሕበረሰብ ዲፕሎማሰኛታትን ቅድሚ ሕዚ ዝተኸሉዎም ፈልሲታት ብምኹስኳሶም ኣመስጊነን።

እተን ምክትል ከንቲባ መንበሪኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኩሎም ሰባት ኣምባሳደራት እታ ከተማ ኢዮም ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.