Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ዓፋር ብምኽንያት ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ 11 ሄክታር ዝራእቲ ሽኮር ኣገዳ፣ ጡጥን ካልኦትን ጉድኣት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ኣብ ወረዳ ኣሚባራ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ሰበኽ ሳግም፣ ኣብ ምርምር ሕርሻን ዝራእቲ ሰብ ሃፍቲን ዘብፀሖ ጉድኣት ተጎብኒዩ።

ኣብቲ እዋን ዑደት ላዕለዎት ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ሕርሻ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ክልል ወረዳ ኣሚባራ ጣቢያ ኤብሬ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ጣቢያታት ብማሕበረሰብ ሰበኽ ሳግም ዝለምዑ ዝራእቲ ብምዕልቕላቕ ማይ ዝበፅሖም ጉድኣት ተዓዚቦም።

ሰብ ሃፍቲን ኣመራርሓታት እቲ ከባቢን ከምዝገለፁዎ እንተኾይኑ፥ ልዕሊ 11 ሄክታር ዝኸውን ዝራእቲ ሽኮር ኣገዳ፣ ጡጥን ካልኦትን ጉድኣት በፂሑዎም ኢዩ።

ብምኽንያት ምዕልቕላቕ ማይ ደሴት ኣብ ዝኾኑ ኮረብታታት ዝተዓቖቡ ክፋላት ሕብረተሳሰብ ብጀልባ መዓልታዊ ምግቢ ንምብፃሕ ፃዕሪ እናተገበረ ይኹን እመበር እቲ ሓገዝ እኹል ስለዘይኮነ ትኹረት ክግበር ከምዝግባእ እቶም ግዳያት ሓቲቶም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ዶክተር ማንደፍሮ ንጉሴ፥ እቲ ትዕዝብቲ ከም ሚኒስቴር እቲ ዝበፅሕ ጉድኣት ብምርኣይ ምስ ዘዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዓሊሙ ዝተኻየደ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ከም ኩነታት እቲ ጉድኣት ኣብ ሓፂርን ማእኸላይን እዋን ዝስርሑ ስራሕቲ ንምፍላይ ዓሊሙ ዝተኻየደ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ቀዳማይ ተግባር ድማ ኣንፈቱ ስሒቱ ዝፈስ ዘሎ ማይ ናብ ንቡር መስመሩ ምምላስን ንዝተጎድኡ ወገናት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ሰብኣዊ ሓገዛት ምቕራብ ኢዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.