Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፍሉይ መልእኽተኛ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ነበር ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢን ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ተዛቲዮም።

ኣብቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ጁባ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ፥ ባህጊ ክልቲአን ሃገራት ብዘማልእ መልክዑ መገዲን ኤሌክትሪክን ሓዊሱ እተን ሃገራት ብሓባር ኣብ ዝሰርሐኦም ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓታት ተላዚቦም።

ፍሉይ መልእኽተኛ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ነበር ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢን ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝግበር ዝርገሐ መሰረተ ልምዓታት ተግባራዊ ኣብ ምግባር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ፕሬዚዳንታዊ ጉዳያት ደቡብ ሱዳን ንሂያል ደንግንሂያል ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ፕሮጀክት መገዲ ጋምቤላ-ኣኮቦ-ቦር ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእል ዛዕባታት ብምዝታይ ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ  ሚኒስቴር መገዲታትን ድልድላትን ደቡብ ሱዳን ጉጅለ ቴክኒክ ኢትዮጵያ ናብ ጁባ ንክልእኽ ዘኽእል ዕንግዶት ከምዝልእኽ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ብትኹረት ብምስራሕ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር ምዃኑ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ከምዝገለፁ እውን ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.