Fana: At a Speed of Life!

ዓመታዊ ኣኼባ ኣምባሳደራት ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዋና ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ኣምባሳደራትን ቆንስላ ጀነራላትን ከካይዱዎ ዝቐነዩ ዓመታዊ ኣኼባ ተዛዚሙ።

እቲ ኣኼባ “ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽቶና ንሃገራዊ ምዕባለና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ንዝሓለፉ 15 ተኸታተልቲ መዓልቲታት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ እናተሳለጠ ፀኒሑ።

ተሳተፍቲ እቲ መድኽ፥ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ዘሳልጦም ቀንዲ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ላዕለዎት ሓለፍ ስራሕን መዳርግቲ ኣካላትን ድማ ሓዱሽ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ብዝምልከት ምይይጥ ኣካይዶም ኢዮም።

ብተወሳኺ ኣብ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት /ካብ 2013 ክሳብ 2022 ዓ.ም/ ተዛቲዮም።

እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ዘሓለፉ ክልተ ሳሙናት ዝዘተዩሎም ጉዳያት መሰረት ገይሮም ንሃገሮም ዝሐሸ ነገር ከምዘበርክቱ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.