Fana: At a Speed of Life!

6 ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝግበር ሓገዝ ምጉዳሉ ተቓዊሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሽዱሽተ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ሃገሮም ንኢትዮጵያ እትገብሮ ሓገዝ ምጉዳሉ ብምቅዋም ናብ ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮን ናብ ሚኒስትር ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ስቴቨን መንቺንን ደብዳበ ፅሒፎም።

እቶም ኣባላት ኮንግረስ ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ “ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ እትገብሮ ሓገዝ ምጉዳሉ ኣዝዩ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ” ክብሉ ገሊፆም።

“እዚ ናይ ደገ ሓገዝ ከም ዝጎድል ምግባሩ እምንቲ ምስ ዝኾነት ሃገርና ዘሎና ርክብ ምብልሻው ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሴ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ዝግበር ዘተ ዝህልዋ ተሳትፎን ዘይሻራውነትን ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ” ኢሎም።

ነቲ ደብዳበ ዝፀሓፉ ኣባላት ባይቶ፥ ጄሰን ክሮው፣ ኢልሃን ኦማር፣ ኮኒን አልሬድ፣ ጆህን ግራሜንዲ፣ ጆይስ ቤቲን ጄራልድ ኮንሊይን እዮም ተባሂሉ።

እቲ ግድብ ዝህነፅ ዘሎ ካብ ኢትዮጵያውያን ብዝተዋፅአ ገንዘብ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ነቲ ደብዳበ ዝፀሓፉ ሽዱሽተ ኣባላት ኮንግረስ፥ “እቲ ፕሮጀክት ንኢትዮጵያውያን ሃገራዊ ኩርዓት እዩ፤ ኣብቲ ዞባ’ውን ቁጠባዊ ዕብየት ብምቅልጣፍ ብሚልዮናት ንዝቑፀሩ ዜጋታት ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክረኽቡ ከሕግዝ’ዩ” ኢሎም።

እቶም ኣባላት ኮንግረስ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ልዕሊ 100 ዓመታት ከም ዘለዎ ብምዝኽኻር፥ ኣብ ኣሜሪካ’ውን ልዕሊ ርብዒ ሚልየን ኢትዮጵያዊ ትውልዲ ዘለዎም ሰባት ከም ዝርከቡ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዋና ናይ ጸጥታ መሻርኽቲ ኣሜሪካ እያ ዝበሉ እቶም ኣባላት ኮንግረስ፥ ኣብ ሶማልያ ንዝተዋፈረ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ትፃወቶ ዘላ ተራ ዓቢ ምዃኑን ከም ኣልሸባብ ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ኣብ ምቅላስ ቀንዲ መሻርኽቲ ምዃና ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.