Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ፈዋስነት ክትቫት ቫይረስ ኮሮና እንትረጋገፅ 220 ሚሊየን ክትባት ክትረክብ ኢያ – ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣፍሪካ ፈዋስነት ክትቫት ቫይረስ ኮሮና እንትረጋገፅ 220 ሚሊየን ክትባት ንኽትረክብ እናሰርሐ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ከባቢያዊ ፕሮግራም ኣፍሪካ እቲ ትካል ሪቻርድ ሚሂይጎ ከምዝገለፁዎ፥ ብቐዳምነት ሰብ ሞያታት ሕክምናን ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣካላትን ክኽተቡ ኢዮም።

ፈዋሲነት እቲ ክትባት እንትረጋገፅ ሃገራት ብዘለወን ቁፅሪ በዝሒ ህዝቢ መሰረት ብምግባር ከምዝከፋፈል እውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ዝርከባ 54 ሃገራትክትባት ንምርካብ እናተፀበያ ከምዝኾና እውን ኣብሪሆም።

ኮቫክስ ዝተብሃለ ክትባት ፀረ ቫይረስ ኮሮና ንምርካብ ዓለም ለኸ ጥምረት ከምዘሎ ዝፍለጥ እንትኸውን፥ ኣፍሪካ እውን ካብቲ ጥምረት ኢያ ክትረክብ ተባሂሉ።

ጥምረቱ እስከ 2021 መጨረሻ ድረስ በዓለም ዙሪያ 2 ቢሊየን መጠን የኮሮና ቫይረስ መከላከያ ክትባት እንደሚያሰራጭ ተነግሯል።

እቲ ጥምረት ክሳብ መወዳእታ 2021 ኣብ መላዕ ዓለም 2 ቢሊየን መጠን ዘለዎ ክትባት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ከምዝከፋፈል ተሓቢሩ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሽዓተ ዝተፈላለዩ ክትባታት ፈተነ እናተገበረሎም እንትኸውን፥ ካብዚኣቶም ድማ እቶም ክልተ ኣብ ኣፍሪካ ኣናተፈተኑ ይርከቡ።

ፍልፍል:- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.