Fana: At a Speed of Life!

ንምስፍሕፋሕ ሕማም ዓሶ ዝምቹ ኩነታት ኣየር ስለዘሎ እቲ ሕማም ኣብ ዝረኣየለን ከባቢታት ዝነብር ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ንስፍሕፋሕ ሕማም ዓሶ ዝምቹ ኩነታት ኣየር ስለዘሎ እቲ ሕማም ኣብ ዝረኣየለን ከባቢታት ዝነብር ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣተሓሳሲቡ።

መተሓባበሪ ብሄራዊ ፕሮግራም ሕማም ዓሶ እቲ ሚኒስቴር መብራህቶም ሃይለ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ትምበያ ብሄራዊ ሜቴዎሮሎጂ መሰረት ብምግባር ዝናብ ሓዘል ኩነታት ኣየር ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ክፀንሕ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ንምርባሕ ጣንጡ ዝምችዉ ዕቋራት ክፈጥር ስለዝኽእልን ጥንቃቐ ክግበር ይግባእ አኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልዕሊ 2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ገዛውቲ ኬሚካል ፀረ ጣንጡ ንምንፃግ ተሓሲቡ እቲ ፍርቂ ሚሊየን ምንፃግ ከምዝተኽኣለ እቶም መተሓባበሪ ኣፍሊጦም።

ሚኒስቴር ጥዕና፥ ካብ ክልላት ዝለዓል ሕፀረት እታወት ኬሚካል ፀረ ጣንጡ ብብርኪ ዓለም ዘጋጠመ ሕፅረት ከምዝኾነን ካብ ምጥቃም ኬሚካል ናብ ዛንዜራ ምጥቃም እናተኣተወ ብምዃኑን ዝተፈጠረ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም 1 ነጥቢ 7 ሰባት ብሕማም ዓሶ እንትተሓዙ፥ 213 ሰባት ብምኽንያት እቲ ሕማም ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

እቲ ሕማም ብፍላይ ሰፋሕቲ ሕርሻ ኣብ ዝርከቡለን ከባቢታት ከይለዓል፤ እንተተላዒሉ ድማ ቅልጡፍ ሕክምና ንመሃብ ዘኽእል ጊዚያዊ ተንቀሳቓሲ ግልጋሎት ሕክምና መውሃቢ ከምዝተጣየሸ ኣይተ መብራህቶም ሃይለ ገሊፆም።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.