Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ክሲ ንምምስራት 15 መዓልቲ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ክሲ ንምምስራት 15 መዓልቲ ይወሃበኒ ክብል ሓቲቱ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ካብ ውሽጢ ዘቕረቦም 15 መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ናይ 10 መሰኻኽር ምስ ኣስመዐ የኣኽለኒ ብምባል፤ ኣይተ ጃዋር ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 14 ተጠርጠርቲ ክሲ ክሳብ ዝምስረተሎም 15 መመስረቲ ክሲ መዓልቲታት ይወሃበኒ ክብል ሓቲቱ።

ጠበቓታት እቶም ተጠርጠርቲ ብግደኦም ንዓቃቢ ሕጊ ክሲ መመስረቲ 15 መዓልቲ ክወሃቦ ኣይግባእን ብምባል ሕቶ ዋሕስ ሓቲቶም።

ቤት ፍርዲ ድማ ነቲ ጉዳይ መርሚሩ ትእዛዝ ንመሃብ ን2 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.