Fana: At a Speed of Life!

ባሕቲ ጳጉሜን መዓልቲ ሳይክልን እግረኛታትን ኮይና ክትውዕል ኢያ – ሚኒስቴር ትራንስፖርት

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባሕቲ ጳጉሜን መዓልቲ ሳይክልን እግረኛታትን ኮይና ከምትውዕል ሚኒስቴር ትራንስፖርት ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እታ መዓልቲ ብብርኪ ሃገር ኣብ ኩለን ርእሰ ከተማ ክልላትን ካልኦት ከባቢታትን ተኸቢራ ከምትውዕል ኢዩ እቲ ሚኒስቴር ዝሓበረ።

እዚ ኣከባብራ በዓል፥ ሙሉእ ዓመት ወርሒ ብዝኣተወ ፈላመይቲ ሰንበት እናተኸበረ ከምዝቕፅል እውን ተገሊፁ።

ብእግሪን ብምስክሌትን ዝግበር ጉዕዞ፥ ሞተር ኣልቦ ትራንስፖርት ስለዝኾነ፥ ሓደጋ ትራፊክን ምጭንናቕን ንምንካይ፣ ምንካይ ብኽለት ከባቢ ኣየር፣ ጥዕና ሕብረተሰብ ንምሕላውን ተመረፅቲ ኣገልግሎታት ትራንስፖርትን ንምትእናጋድ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ተባሂሉ።

ብካሊእ መዳይ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ስትራቴጂ ሞተር ኣልቦ ትራንስፖርት ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ንምግባር ምድላው ምዝዛሙ እውን ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.