Fana: At a Speed of Life!

ዓቃቤ ሕጊ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 14 ተጠርጠርቲ ትሽዓተ መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ኣስሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓቃቤ ሕጊ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 14 ተጠርጠርቲ ትሽዓተ መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ኣስሚዑ።

ዓቃቤ ሕጊ 15 መሰኻኽር ቅድመ ምርመራ ከምዘዳለወ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታትን ጊዘ ምስክርነት ንዘይምንዋሕን ብዝበል ከስምዕ ኣይደለኹን ከብል ነቲ መጋባእያ ገሊፁ።

ኣብ ሪጋ ቁፅሪ 11ን 14ን ዘመዝገቦም ክልተ መሰኻኽር ድማ ሞባይል ስልኮም ብዘይምስርሑ ን29 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ምስክርነት ይሰምዐለይ ብምባል ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ።

ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ጊዘ ቆፀሮ ኣዳራሽ ልደታ ዝተረኸቡ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 14 ተጠርጠርቲ ዝተረፉ ክልተ መሰኻኽር ዓቃቤ ሕጊ ትማሊ ተሰሚዖም።

ጠበቓታት ተጠርጠርቲ ኣብቲ ከይዲ ዓቃቤ ሕጊ ዘስምዖምን ዘየስምዖምን  ዝርዝር ዝተረፉ መሰኻኽር ይገለፀልና ክብሉ ሓቲቶም።

ዓቃቤ ሕጊ ድማ ንድሕንነቶም ክበሃል ዝርዝሮም ኣይገልፅን፤ ቅድመ ሐዚ ምስክር ዝነበሩ ውልቀ ሰብ ብዝተተኮሰሎም ሽጉጥ ጉዳኣት በፂሑዎም ኣብ ጣቢያ ፖሊስ ምሕዳሮም ብምሕባር ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዜታት ኣብ ልዕሊ መሰኻኽር ምፍርራሕ ይበፅሕ ስለዘሎ ንድሕንነቶም ክብል ዝርዝሮም ምግላፅ ከምዘየድሊ ኣብሪሁ።

እቶም ተጠርጠርቲ ብግደኦም ዝተፈላለዩ ቅርታታት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣመዝጊቦም።

ኣይተ በቀለ ገርባ ሒሳብ ባንኮም ከምዝተኣገደን ናይ ውልቀ ተሽከርካሪኦም ከምዘይተመለሰሎምን ኣቤቱታ ኣቕሪቦም፤ ከምኡ ‘ወን ኣብ ቤት ህንፀት ዘለዎም ኣተሓሕዛ ንክስተኻኸል ሓቲቶም።

ኣይተ ሃምዛ ኣዳነ ኣብ ሓደ መፅሄት ከምኡውን ኣብ ካልኦት ጋዜጣታት ስመይ ይጠፍእ ኣሎ ክብሉ ኣመልኪቶም።

ኣይተ ሸምሰዲን ጠሃ ዝተብሃሉ ተጠርጣሪ እውን ናይ እዝኖም ሕማም ኣብ ዝደልዩዎ ትካል ሕክምና ንክሕከሙ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ትእዛዝ ኣይተፈፀመን ክብሉ ንካልኣይ ጊዜ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቤቱታ ኣቕሪቦም።

እቲ ጉዳይ ዘዳመፀ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረቡ ቅርታታት ትእዛዝ ንምሃብን ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ምስክርነት ይሰምዐለይ ብምባል ዘቕረቦም ክልተ መሰኻኽራት ቅድመ ምርመራ ንምስማዕን ን29 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.