Fana: At a Speed of Life!

ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክተሪክ ዛዋሽ 3 ንግዚኡ ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክተሪክ ዛዋሽ 3 ንግዚኡ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘቋረፀ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ መካየዲ ስራሕ መፈልፈሊ ጣቢያታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክልተን ሰለስተን ኣይተ ዲሳሳ ገልሜሳ፥ ኣብቲ ጣቢያ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ስለዘጋጠመ ካብ 23 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ንግዚኡ ኣገለግሎት ከምዘቋረፀ ገሊፆም።

ኣብ ሩባ ኣዋሽ እናተፈጠረ ዝርከብ ሓደጋ ውሕጅን ፃህያይ እምቦጭን፥ ኣብ መፃኢ ዕድል መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቆቃ፣ ኣዋሽ ክልተን ሰለስተን ልዑል ስግኣት ከምዝፈጠሩ ተዛሪቦም።

ካብ ምምላእ ማይ ሩባ ኣዋሽ ዝተለዓለ ካብ 15 ሓምለ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ግድብ ቆቃ ብሰከንድ 60 ሜትር ኪዩብ ማይ እናተለቐቐ ዝፀንሐ ይኹን እመበር፥ ናብቲ ግድብ ዝኣቱ መጠን ማይ እናወሰኸ ብምምፅኡ ካብቲ ግድብ ዝልቀቕ መጠን ማይ ብሰከንድ ናብ 625 ሜትር ኪዩብ ክብ ክብል ከምዝኀኣለ ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ድማ 32 ሜጋ ዋት ከፈልፍል ዝኽእል መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣዋሽ ሰለስተ ብምኽንያት ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ንዘይተወሰነ እዋን ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪፁ ኣሎ ተባሂሉ።

ብተመሳሳሊ ዜና ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣዋሽ ክልተ መቐበሊ ማይ ብፃህያይ እምቦጭ ብምዕፃዉ ካብ 23 ሓምለ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ግልጋሎት እናሃበ ከምዘይኮነ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ እቲ ፀገም ብግዚያውነት ንምፍታሕ ነቲ ፃህያይ ብኤክስካቫተር እናተለዓለ ከምዝኾነ እቶም መካየዲ ስራሕ ገሊፆም።

ኣይተ ዲሳሳ ኣብ ተፋሰስ ኣዋሽ ዝርከቡ ፍልፍላት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝገጥሞም ተፈጥራዊ ፀገም ብዘላቒነት ንምፍታሕ ተዋዲድካ ምስራሕ የድሊ ምባሎም ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.