Fana: At a Speed of Life!

ምዕብልቲ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኣብ ተፃረርቲ ዋልታታት ዝተንጠልጠሉ ድሌታት ክቀራረቡ ኣለዎም – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጥንክርቲ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ምዕባለ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ምግባር ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ “ከምሃገር ናይ ሓባር ዕላማ እንድሕር ሒዝና ህላወ ሃገር ሓሊና ሓበራዊ ዓወት ከምንጎናፀፍ ኣይጠራጠርን” ኢሎም።

እዚ ንምዕዋት ድማ ኣብ ክልተ ተፃረርቲ ዋልታታት ዝተንጠልጠሉ ድሌታት ክቀራረቡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣነ ዝበልኩዎ እንተዘይኮይኑ ብዝብል ዕንቅፅና ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ሃፍቲ፣ ግዘን ገንዘብን ካብ ምብኻን ሓሊፉ ዘምፀኦ ረብሓ ከምዘየለ እውን ኣብ ፅሑፎም ገሊፆም።

ሓደ ስጉሚ ናብ ማእኸል ምቕራብ ዘይፈቅድ ድሌት ሃገር ይትረፍ ቤተሰብ ኣየጣይሽን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒትር፥ “ብተፃራሪ ኣንፈት ዝጓተቱ ድሌታት ብምግናሕ ንሃገር ዘለና ፍቕሪ ነርኢ፣ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምህናፅኣብ ዝግበር ጉዕዞ ኣስተዋፆኦና ነበርክት” ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.