Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሮጀክትታት ፓርክ ኣንድነት፣ እንጦጦን ሸገርን ዝተርኣየ እወንታዊ ውፅኢት ከም ሃገር ዘለዉና ፀገማት ንምቕራፍ ዘኽእል ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ኢዩ- ኣይተ ሃይለማሪያም ደሳለይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ካብ ሸገር ክሳብ ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሰናድአ መድረኽ ዘተ ሓዱሽ ወግዒ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢ ቦርድ ቱሪዝምን ኣይተ ሃይለማሪያም ደሳለይ፣ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብረሃም በላይ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ፣ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝ ሓዊሱ ዝምልከቶም ኣካላት ይሳተፉ ኣለዉ።

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢ ቦርድ ቱሪዝምን ኣይተ ሃይለማሪያም ደሳለይ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣርኣያነቶም ናብ ሃገር ዝሰጋገር ኢዩ ኢሎም።

እንሕዞም ፕሮጀክትታት ኣብ እዋኖም ብምፍፃም ከምኡውን ብዝተሰለዐሎም በጀት ብምስራሕ ንረብሓ ህዝቢ ኣብ ምውዓል ዝነበሩ ፀገማት ዝቐርፍ ጅማሮ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ፕሮጀክትታት ፓርክ ኣንድነት፣ እንጦጦን ሸገርን ዝተርኣዩ ውፅኢታት ስራሕ ከም ሃገር ካብ ምፍልፋል ሓሳብ ጀሚሩ ክሳብ ምፍፃም ዘለዉና ፀገማት ንምቕራፍ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኣብ ሰለስቲኦም ፕሮጀክትታት ብኣተሓባባርነት ዝሰርሑ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብረሃም በላይ ብግደኦም፥ እቶም ስራሕቲ ዝነበሩ ግን ዘይተጠቐምናሎም ሃፍቲታት ምርኣይ ዝኸኣልናሉ ኢዩ ኢሎም።

እወንታዊ ሽርክና መንግስቲን ሰብ ሃፍቲን ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ከምሃገር ዝተጀመረ ጉዕዞ ምዕባለ ልዑል ነገር ሓሲብካ ካብ ምፍፃም ወፃእ ካሊእ ኣማራፂ ከምዘየለ ዝተርኣየሉ ኢዩ ዝበሉ ድማ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝ ኢዮም።

እቶም ፕሮጀክትታት፥ ጊዜ፣ ፅርየትን ዋጋን ኣጠዓዒምካ ከመይ ውፅኢት ምምፃእ ከምዝከኣይ ዘርኣዩ ኢዮም እውን ኢሎም።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.