Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ልዕሉ 1 ሚሊየንን 200 ሺሕን ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 1 ሚሊየን 200 ሺሕን 918 ከምዝበፅሐ ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻን ሕማማት ኣፍሪካ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ማእኸል ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ፀብፀብ፥ 28 ሺሕን 276 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ገሊፁ።

931 ሺሕን 57 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ከምዝደሓኑ እውን ኣፍሊጡ።
እቲ ቫይረስ ኣብ ደበባዊ ክፋል ኣፍሪካ ዝጠንከረ እንትኸውን፥ 654 ሺሕን 558 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኢዮም።

ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ 216 ሺሕን 99 ሰባት፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ 156 ሺሕን 604 ሰባት፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ 122 ሺሕን 782 ሰባት፣ ኣብ ማእኸላይ ኣፍሪካ ድማ 52 ሺሕን 878 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ እቲ ማእኸል ኣብ ማሕበራዊ ትዊተር ገፁ ፅሒፉ።

ብመንፅር ሃገራት እንትረአ ድማ ደቡብ ኣፍሪካ 613 ሺሕን 17 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብምምዝጋብ ቀዳማይቲ ኮይና ኣላ።

ኢትዮጵያ 43 ሺሕን 688 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብምምዝጋብ ኣብ መበል 6ይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ክሳብ ሕዚ በቲ ለበዳ ሕማም ተታሒዞም ዘይደሓኑ ብዙሓት ሰባት ዘለዉወን ሃገራት ብዝምልከት ድማ ኢትዮጵያ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ቀፂላ ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.