Fana: At a Speed of Life!

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ምንካይ ግልጋሎት ጥሙር ኢንተርኔትን ድምፂን ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ምስ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዚ ምንካይ ግልጋሎት ጥሙር ኢንተርኔትን ድምፂን ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍረህይወት ታምሩ፥ ስትራቴጂካዊ ትልሚ ሰለስተ ዓመትን ቀንዲ ትኹረት በጀት ዓመት 2013 ዓ.ምን ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂኣን ድማ ኣብ ጥሙር ግልጋሎት ኢንተርኔት 35 ሚኢታዊ፤ ከምኡ እውን ኣብ ጥር ግልጋሎት ድምፂ ድማ 29 ሚኢታዊ ከምዝተነከየ ገሊፀን።

ጥሙር ግልጋሎት ሞባይል ዳታን ድምፂን 28 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ዘይተገደበ ግልጋሎት ጥሙር ድምፂ ፕሪሚየም 21 ሚኢታዊ ቅነሳ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሀን።

ኣብ ዘይተገደበ ግልጋሎት ጥሙር ዳታ ፕሪሚየም 21 ሚኢታዊ፤ ኣብ ዘይተገደበ ግልጋሎት ጥሙር ዳታን ድመፂን ፕሪሚየም ድማ 20 ሚኢታዊ ነክዩ ኣሎ።

ዘይተገደበ ጥሙር ግልጋሎት ፕሪሚየም ፕላስ 16 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ኣብ ሳትላይት ግልጋሎት ክሳብ 61 ሚኢታዊ ቅነሳ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ጥሙር ግልጋሎት ኣብ ገዝኦም ይፅንሑ 59 ሚኢታዊ ቅነሳ ዘተገበረ እንትኸውን፥ እቲ ኣገልግሎት ክሳብ መጀመርታ መዓልቲ ሓዱሽ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ከምዝቕፅል እውን እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ተዛሪበን።

እቲ ትካል ብተወሳኺ፥ ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያውያን ምኽንያት ብምግባር ንሓዱሽ ዓመት ጥሙር ግላጋሎት ኣደይ ኣበባ 53 ሚኢታዊ ቅናሽን ኣብ ዓለም ለኸ ግልጋሎት ኣየር ሰዓት 100 ሚኢታዊ ህያብ ኣየርን ንዓማዊል ኣቕሪቡ ኢዩ።

ብሶዶ ለማ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.