Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ሱዳን ፃንሒቶም ዕዉት ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ኣሳሊጦም – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፉዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ዝገበሩዎ ዑደት ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዕዉት ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ምስላጦም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሱዳን ዝነበሮም ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኢዮም።

ኣብቲ ዝነበሮም ፃንሒት ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ምስ ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ዓብደል ፈታ ኣል ቡርሃን ተዛቲዮም ኢዮም።

ምስ ፕሬዚዳንት ስግግር መንግስቲ ኣብ ዝነበሮም ዘተ ብዋንኡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ካልኦት ክልተኣዊ ጉዳያትን ከምኡ እውን ዞባዊ ዛዕባታት ዘድሃበ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብቲ ኣመልኪቶም ከምዝገለፁዎ፥ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ስግግር ስለዝኾና ብዝበለፀ ተቐራሪበን ንኽሰርሓ ዕድል ፈጢሩለን ኢዩ።

ምሕዝነት ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ መራሕቲ ሓሊፉ ህዝባዊ መሰረት ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ ቀዳማይ ሚኒትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ሱዳን ዝገበሩዎ ዑደት ስራሕ ርክብ ኢትዮ-ሱዳን ብዝበለፀ ምትእስሳር ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ኣድሂቦም ምስ መራሕቲ ሱዳን ከምዝዘተዩ ገሊፆም።

ኣብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒትር ሓላፊት ሚዲያን ወፃኢ ቋንቋን ዲጂታል ሚዲያን ቢልለኔ ስዩም፥ እቶመወ መራሕቲ ዝኾነ ይኹን ፀገም ብዘተ ምፍታሕ ኣብ ዝኽእሉሉ ጉዳይ ኣድሆቦም ብዕምቆት ከምዝተዛተዩ ተዛሪበን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፥ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ስግግር ስዳን ብሰላም ንኽፍታሕ ንዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ምቕራቦም እውን ኣብሪሀን።

ዶክተር ኣቢይ ብግደኦም፥ ሰላምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ካብ ሱዳን ተፈሊዩ ክረአ ከምዘይኽል ገሊፆም ኢዮም ኢለን።

ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዝገብሩ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ፃንሒቶም ድማ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክጉብንዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.