Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ካብ 700 ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ 17 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፤ ብሓፈሻ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ቁፅሮም 709 በፂሑ።

ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 18 ሺሕን 778 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 545 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 43 ሺሕን 688 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 17 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 709 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ 534 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ክሳብ ትማሊ ብድምር 15 ሺሕን 796 ሰባት ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክትትል ሕክምና ዝርከቡ ሰባት ቑፅሮም 27 ሺሕን 181 ከምዝኾኑን ካብዚኣቶም ድማ 290 ሰባት ኣብ ማእኸል ፅኑዕ ክንክን ሕክምና ዘድሊዮም ዝርከቡ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.