Fana: At a Speed of Life!

ብገበን ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠረ ከበደ ገመቹ ሎሚ መዓልቲ ንመበል ራብዓይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብገበን ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠረን ተሓቢኡ ካብ ዝነበረሉ ኣዳኣ ድሬ ተባሂሉ ካብ ዝፅራሕ ከባቢ 3 ሓምለ 2012 ዓ.ም ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለን ከበደ ገመቹ ሎሚ መዓልቲ ንመበል ራብዓይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ተረኛ ጊዜ ቆፀሮ፥ ኣብ ልዕሊ ተጠርጣሪ ቅድመ ሐዚ ብመሰረት ዝተውሃበ ተወሳኺ ጊዜ ብዙሓት ስራሕቲ ምርመራ ከምዘካየደ መርማሪ ፖሊስ ነቲ ችሎት ኣረዲኡ።

ኣብ ኢድ ተጠርጣሪ ዝተረኸበ መሳርሒ ኤሌክትሮኒክስ ብኤጄንሲ ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ከምዝተመርመረን እቲ ውፅኢት እውን ከምዝመፅአን ገሊፁ።

እቲ ውፅኢት ንምትንታን ጊዜ ከምዘድሊ ሓቢሩ።

ተጠርጣሪ ብግድኡ ካብ ዝተሓዝ ልዕሊ ሓደ ወርሒን 16 መዓልታትን ከምዝገበረ ብምግላፅ፥ ኣርቲስት ሃጫሉ ዝተቐተለሉ ሽጉጥ ናተይ ኣይኮነን ስለዚ ቤት ፍርዲ ውሕስና ንክፈቕደሉ ሓቲቱ።

መርማሪ ፖሊስ፥ እቲ ሽጉጥ ናይ ተጠርጣሪ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ እዋን ቅትለት ኣብቲ ቦታ ከምዝነበረ ሓቢሩ።

ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ መጋባእያ፥ ውፅኢት ምርመራ ንምትንታት ተወሳኺ ግዜ የድሊ ኢዩ ብምባል 10 መዓልታት ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.