Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብደላ ሃምዶክ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ..)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

ብቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ሎሚ መዓልቲ ናብ ካርቱም ምምርሑ ይዝከር።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ ኣብ ክልቲኣዊን ቀጠናውን ዛዕባታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዙሕ ዓመታት ዘቑፀረ ሕውነት ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና እውን እቶም መራሕቲ ኣብ ዘተኦም ገሊፆም።

 ኢትዮጵያን ሱዳንን ሓደ ህዝብን ሓደ ቤተሰብን ኢናዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ምስ ህዳሰ ግድብን ዶብን ብዝተተሓሓዘ ዝለዓሉ ዛዕባታት ተኸታታልነት ብዘለዎም ዘተታት ከምዝፍትሑ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ኣብ ዘውፅእዎ መረዳእታ፥ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበርናዮም ዘተ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘለዋ ሽርክና ንቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ብድጋሚ ኣረጋጊፀ ኢየኢሎም።  

 ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዘለዉና ሰፋሕቲ ኣማራፅታት ኣብ እንፍትሸሉ እዚ እዋን፥ ንምትሕብባር ኢኮኖሚ፣ ናይ ሓባር ዕብየትን ቀጠናዊ ምርግጋዕን ዘለና ቆራፅነት ክቕፅል ኢዩኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዙሕ ዓመታት ዘቑፀረ ሕውነት ከምዘለወን ተዛሪቦም።

እቲ ርክበን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ከምዝስራሕ እውን ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ዘለዋ መሰል ምጥቃም ኣባይ ሩባ ሱዳን ከምእተኽብር ብምሕባር፥ ኣብ ክሊ እቲ ግድብ ዘለዉ ዛዕባታት ብድርድርን ዘተን ክፍትሑ ከምዘለዎም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.