Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ ሕቶ ዋሕስ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ውድቂ ብምግባር ንምርመራ ተወሳኺ እዋን ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ኣብ ወረዳ ከተማ ቢሾፍቱ ንራብዓይ ግዜ መጋባእያ ቀሪቦም ዘቕረቡዎ ሕቶ ዋሕስ ቤት ፍርዲ ሕቶኦም ብምንፃግ ንመርማሪ ፖሊስ ተወሰኽቲ ሸውዓተ መዓልቲታት ፈቒዱ።

ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ብዝተጠርሩሉ ገበን ምልዕዓል ዓመፅ፥ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ንመበል ራብዓይ ግዘ ናብ መጋባእያ ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ መርማሪ ፖሊስ ኣብ ኢዶም ዝተረኸበ ሰነድ መመስረቲ ስግግር መንግስቲ፣ ልውውጥ ስልኪን ሲዲን ናብ ምርመራ ምልኣኹ ገሊፁ ሓፈሻዊ ቃል ምስክር ንምቕባል ከምኡ እውን ውፅኢት ምርመራ ንምምፃእ 14 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ይወሃበኒ ኢሉ።

ኣይተ ልደቱ ብግደኦም ብጠበቓ ተወኪሎም “ቅድሚ ሕዚ ሓሙሽተ ግዘ ተኣሲረ መረዳእታ ስለዘየለ ቤት ፍርዲ ብናፃ ይልቀቐኒ፣ ንቤት ፍርዲ ልዑል ክብሪ ኣለኒ፣ ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኸሳሲ ጥራሕ ኢዩ ተደጋጋሚ ተወሳኺ መዓልቲ እናተውሃበ ዝርከብ፣ እዚ ድማ ግቡእ ኣይኮነን፣ ናይ ሕክምና መረዳእታ ኣምፂአ ንሕክምና ዋሕስ ይወሃበኒ ኢለ እንትሓትት ሕቶይ እናተነፀገ ብምዃኑ ናይ ሓደ ወገን ጥራሕ ኢዩ ኢለ ንኸሓስብ ይገብረኒ ኣሎ፣ ኣርባዕተ ግዘ ዳያኑ ይቀያየሩ ኣለዉ፣ መርማሪ ፖሊስ ብተደጋጋሚ ሓደ ዓነት ምርመራ ኢዩ ዘቕርብ ዘሎ” ዝብል መቃወሚ ኣቕሪቦም።

ቤት ፍርዲ እቲ ወረዳ ድማ “እቲ መጋባእያ ናይ ቆፀሮ ኢዩ፣ ጉዳይ መጋባእያ ቆፀሮ ድማ ብታረኛ ዳይና ዝረአ እምበር ካሊእ ጉዳይ የለን፣ ቤት ፍርዲ ዘይሻራዊን ሚዛናዊን ኮይኑ ኢዩ ዝሪኦ ዘሎ፣ ብዝቐርብ ውፅት ምርመራ መዚኑ ኢዩ እዋን ቆፀሮ ዝህብ፣ እዚ ቦታ ጉዳይ ፖለቲካ ዝረአየሉ ቦታ ኣይደለም” ክብል መልሲ ሂቡ።

ምስ መርማሪ ፖሊስ ሓቢሩ ዝተረኸበ ዓቃቢ ሕጊ እታ ወረዳ ብግድኡ “ሕክምነኦም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም፤ ናብ ወፃኢ ሃገር እንተወፂኦም ግና ብኡ ኣቢሎም ክቐርዩ ይኽእሉ ኢዮም” ክብል ንሕቶ ዋሕሶም ተቓዊሙ።

ነቲ ጉዳይ ዝተመልከተ ቤት ፍርዲ፥ ሕቶ ዋሕስ ኣይ ልደቱ ኣያሌው ብምንፃግ መርማሪ ፖሊስ ቀርዩኒ ዝብሎ ውፅት ምርመራ ዛዚሙ ንኽቐርብ ተወሰኽቲ ሸውዓተ መዓልቲታ ሂቡ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.