Fana: At a Speed of Life!

ሰላም ሃገር ብምዕሳል ከይዲ ህንፀት ዴሞክራሲ ሽቱኡ ንኽወቅዕ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዝዓዘዘ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ሃገር ብምዕሳል ከይዲ ህንፀት ዴሞክራሲ ሽቱኡ ንኽወቅዕ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዝዓዘዘ ምዃኑ ተገሊፁ።

“ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰላም ሃገርን ህንፀት ዴሞከራሲን” ብዝብል መሪሕ ቓል ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ኮንፈረንስ ደቂ ኣንስትዮ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሶማሌ ኢንጂነር መሓመድ ሻሌ፥ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ስርዓት ምሕደራታት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ውሱን ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን መሰል ኩሎም ህዝቢታት ዝተረጋገፀላን ዴሞክራሲ ዘዓሰለላን ሃገር ንምህናፅ ደቂ ኣንስትዮ ብሰፊሑ ምስታፍ ግቡእ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ድሕሪ ሕዚ ኣብቲ ክልል ዝሳለጡ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ደቂ ኣንስትዮ ብኣግባቡ ዘሳተፉ ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንክስቲ ክልል ሶማሌ ኣይተ ዓሊ በደል ብግደኦም፥ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምዕሳል ሰላምን ዴሞክራሲን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ዝምዝገቡ ዓወታት ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምስታፍ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ዝበረታታዕ ምዃኑ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝድለ ልምዓት ንምምፃእ ደቂ ኣንስትዮ ዘሳተፈ ምምሕዳራዊ ስርዓት ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንክስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትጵያ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ደቂ ኣንስትዮ ተጎዳእቲ ከምዝገበረ ዝገለፃ እተን ተሳተፍቲ፥ ሰላም ንምዕሳልን ዴሞክራሲ ንምህናፅን ደቂ ኣንስትዮ ምኽባር ይግባእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.