Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዛጊድ ልዕሊ 1 ነጥቢ 15 ሚልየን ሄክታር መሬት ብዘራእቲ ተሸፊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘመን ኣዝመራ 2012/2013 ዓ/ም ብብርኪ ክልል 1 ነጥቢ 3 ሚልየን ሄክታር ስፍሓት መሬት ብዝተፈላለዩ ዘራእቲ ንምሽፋን ካብ ዝተታሓዘ ትልሚ እቲ 1 ነጥቢ 15 ሚልየን ሄክታር ከም ዝተወገነ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተረፈ ንምምላእ ድማ ኣድላዪ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2012/13 ዓ.ም 25 ሚልየን ኩንታል እቶት ንምርካብ ትልሚ ተሓንፂፁ ይስራሕ ከምዘሎ እውን እቲ ቢሮ ገሊፁ።

ይኹን ዳኣምበር ኣብዚ እዋን ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ተራኣዩ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ቅድሚ ከቢድ ጉድኣት ምብፅሑ ብሓፈሻ ህዝብን ኹሎም መዳርግቲ ኣካላትን ብፍላይ መንእሰይ ተወዲቦም እቲ ዕስለ ኣብ ምጥፋእ ክነጥፉ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ነዚ ድማ እቲ መነእሰይ ከምልሙድ ዓቕምታቱ ኣዋዲዱ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ክገብር ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.