Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ልዕሊ ብር 116 ሚሊየን ንግድብ ህዳሰ ዝኸውን ኣታዊ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምስተሳለጠ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ልዕሊ ብር 116 ሚሊየን ንግድብ ህዳሰ ዝኸውን ኣታዊ ተኣኪቡ።

ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ መስተሳለጠ ነቲ ገድብ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ገሊፁ።

ድሕሪ እቲ ምምላእ ማይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ ብር 116 ሚሊየን ሓገዝ ከምዝተኣከበ ዳይሩክተር ሚዲያን ኮሙዩኒኬሽንን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሃይሉ ኣብራሃም ተዛሪቦም።

ንህንፀት እቲ ግድብ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት፣ ባንኪታትን ኢንሹራንሳትን፣ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ብሓፈሻ ድማ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ከም ብሓዱሽ ልዑል ምልዕዓል እናርአዩ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ ካብ መርሃ ግብሪ ሓፅር መልእኽቲ 8100 “A” ብር 11 ሚሊየንን 271 ሺሕ ኣታዊ ተረኺቡ ኢሎም።

ካብ ዕድጊት ቦንድን ውህብቶን ድማ ብር 105 ሚሊየን 201 ሺሕን 874 ከምዝተኣከበ ኣይተ ሃይሉ ገሊፆም።

ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ብድምር ብር 13 ነትቢ 8 ቢሊየን ካብ ህዝቢ ከምዝተኣከበ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.